2010-01-22 16:11:35

ሰብአዊ ረዲኤት ንደሴት ሃዪቲ ይውሕዝ አሎ፡


ልኽዕ ቅድሚ ሐደ ሰሙን አብ ካራይቢ ደሴት ሃዪቲ መሬት ከም ዝተንቀጥቀጠ ክዝከር ከሎ፡ ሃገራት ሐቆፍ ራዲኤት ናብታ ደሴት ይውሕዝ ከም ዘሎ ይፍለጥ ፡ብጠንቂ”ቲ አብ ደሴት ሃዪቲ ዝወረደ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ሕይወቱ ዝስአነ ህዝቢ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ መግለጽታት ክውሀቡ ከም ዝቀነዩ ክፍለጥ ከሎ ፡ናይ አመሪካ በሰላት ምንጭታት ከም ዘመልክትዎ ፡ በዚ ሐደጋ”ዚ ካብ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝበዝሕ ህዝቢ ሕይወቱ ሲኢኑ አሎ።

ናይ አመሪካ መራኸቢ ብዙኀን ከም ዘመልክትዎ አብ ሐደ ሎጋኝ ዝተባህለ ቁሸት ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሕጻናት በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ቤት ትምህርቲ አብ ልዕሊ”ቶም ሕጻናት ስለ ዝፈረሰ ዝድሐነ ሕጽና የልቦን ።

ካብ ርእሰ ከተማ ሃዪቲ ዝመጸ ዜና ከም ዘመልክቶ ፡ በቲ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ዝሞቱ ሰብዓ ሺሕ ሰባት ቅድሚ ትማሊ አብ ሐደ ጋህሲ ተቀቢሮም።

በቲ ዜና መሠረት ፡ አብ ፖርት አው ፕሪንስ ንሐሙሽተ መዓልቲ ትሕቲ ህንጻታት ተቀቢሮም ብሕይወቶም ዝጸንሑ ስሳን ክልተን ሰባት ከም ዝተረኽቡ ተነጊሩ።

በቲ ብምንዋጽ መሬት አብ ትሕቲ ህንጻታትን አባይትን ተቀቢሮም ብሕወቶም ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ ብቀጻሊ ይኩዓት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ብሕይወቱ ዝተረፈ ህዝቢ ረዲኤት ይዕደል ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ፡ ሕማም ተላገብ ከይባራዕ ስግአት ከም ዘሎ ይምልከት።

ካብ ሐሙሽተ ሺሕ ዝበዝሑ ወተሃደራት አመሪካ ነቲ ዝፈራረሰ ህንጻታትን አባይትን ከጽርይዎ ከም ዝጀመሩ ተፈሊጡ አሎ ።

ሀገራት ሐቆፍ ማኅበረ ሰብ ንህዝቢ ሃዪቲ ንምርዳእ ልግስና ከም ዘርአየ ክምልከት ከሎ፡ እቲ ንደሴት ሃዪቲ ዝአቱ ዘሎ ናይ መግብን ሕክምናን ህጹጽ ረዲኤት ንምውህሃድ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ብዝሐተትዎ መሠረት ፡ ናይ ሕብራት መንግስታት መራሕቲ ዝነበሩ ጆርጅ ንዳብልዩ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ሐላፍነት ከም ዝወሰዱ ተፈሊጡ አሎ ።

መንግስቲ ሕቡራት ሀገራት አመሪካ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ረዲኤት ንሃዪቲ ከም ዝሰልዔትን ብነፈርትን ሆሊኮፕተራትን መራኽብን ህጹጽ መግብን ፈውስን ከም ዝልአኸት ዝዝከር ኢዩ።

ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ሩስያ ጃፓን ፈረንሳን ካልኦትን አድላዪ ሐገዝ ከም ዘቅረባን የቅርባ ከም ዘለዋን ክምልከት ከሎ ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ባንይ ረዲኤት ተቅዋማታ አቢላ ንህዝቢ ደሴት ሃዪቲ ሐገዝ ተቅርብ ከም ዘላ ዝዝከር ኢዩ።

ኮር ኡኑም ዝተዋሀደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ናይ አመሪካ ካቶሊካዊ አገልግልት ረዲኤትን ምስ ካልኦት ካቶሊካውያን ማኅበር ካሪታስን አብ ሃዪቲ አብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፈን ረዲኤት ይህባ ከም ዘለዋ ፊደስ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

አብዚ ግዜ”ዚ ንደሴት ሃዪቲ ብህጹጽ ዘድልዩ ፡ መግቢ ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ ፡ሕክምና፡ ክዳውንቲ መጽለልን ፡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ አሎ ።

አብ ርእሰ ከተማ ሃዪቲ ፖርት ኦው ፕሪንስ ሐደ ሚልዮን ህዝቢ ይነብር ከም ዝነበረ ክምልከት ከሎ፡ አብዛ ከተማ እዚአ ብጠንቂ ምንዋጽ መሬት ቁጽሪ ሕይወቱ ዝስአነ ህዝቢ ክፍለጥ ከም ዘሸግር ተነጊሩ።

እቲ ብመለክዒ ሪኽተር ሸውዓተ ከም ዝኾነ ዝተነግረሉ ቅድሚ ሐደ ሰሙን አብ ደሴት ሃዪቲ ዝተኸሰተ ምንዋጽ መሬት ብፍላይ ንርእሰ ከተማ ፖርት ኦው ፕሪንስ ፈጺሙ ከም ዘፈራረሳ ይዝከር።

ደሴት ሃዪቲ ካብተን አዝየን ዝደኸያ ሀገራት ዓለም ከም ዝኾነት ክፍለጥ ከሎ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዕለት ዕስራን ሐሙሽተን ዳግመ ህንጻ ደሴት ሃዪቲ ዝመክር ጉባኤ መራሒት ሀብታማት ሀገራት አብ ካናዳ ሞንትርአል ክካየድ መደብ ከም ዘሎ ይምልከት ።

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት አብዚ አብ ኢጣልያ ብሀገር ደረጃ አብ ኩለን ቁምስናታት ኢጣልያ ንሃዪቲ ገንዘብ ክዋጻእ መደብ ከም ዘሎ ቤተ ጵጵስና ሰበኻ ሮማ አፍሊጡ ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ እቲ ቸላም ዝጽዋዕ ዕስራን ክልተን ረኪበ ጳጳሳት ሀገራት ላቲን አመሪካ ዝሐቁፈ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፡ ንሃዪቲ መንፈሳውን ንዋታውን ሕገዝ የቅርብ ከም ዘሎን እዚ ሐገ”ዚ ቀጻሊ ከም ዝኾነን አፍሊጡ አሎ።

ማኅበራውን ሰብአውን ትካላት አብያተክርስትያናት ሀገራት ላቲን አመሪካ አብ ደሴት ሃዪቲ ብምሉእ ሐይለን ተዋፊረን ከም ዘለዋ ፡ ናይታ ክፍለ ዓለም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አመልኪቱ።

ብጠንቂ ምንዋጽ መሬት አብ ልዕሊ ህዝቢ ሃዪቲ ዝወረደ መዓት ናይ ፖርት ኦው ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጆሰፍ ሰርጀ ሚዮትን ካልኦት ብዙሐት አባላት ቤተክህነትን በቲ ሐደጋ ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ዘመልከተ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሀገራት ላቲን አመሪካ ዝተሰምዖ መሪር ሐዘን ገሊጹ ፡ ምእንቲ ኩሎም ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎትን ከም ዝገብር አፍሊጡ።

ከምኡ ክአ አብ አውስትራልያ ናይ አዳላይደ ሊቀ ጳጳስን ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን ብፁዕ አቡነ ፍሊፕ ዊልሶን ህዝቢ አውስትራልያን ካቶሊካውያን አውስትራልያን

ንህዝቢ ሃዪቲ ሕገዝ ክልግሱ ከም ዝተማሕጸኑ አገልግሎት ዜና ሲር አመልኪቱ።

ካሪታስ አውስትራልያ አብ ሃዪቲ ምስ ካልኦት ማኅበራት ካሪታስ ተሰሪዓ አብ ረዲኤት ተጸሚዳ ከም ዘላ ሲር አተሐሒዙ አገንዚቡ።

 







All the contents on this site are copyrighted ©.