2010-01-16 12:52:11

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና


ጽብሕ መበል 96 ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ ስደተይናን ተመዛበልቲ ዑቕባ ሓተትን “ስደተይናን ዕቕባ ሓታቲ ትሕቲ ዕድመ ስደተይና” ብዝብል መሪሕ ቃል ተሰንዩ ክዝከር ምዃኑ ተገሊጹ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 16 ጥቅምቲ ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ RealAudioMP3 ገና ዕሸል እንከሎ ምስ ቅድስቲ ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ከምዝነበረ ብምትንታን ኣብዚ እንብረሉ ዘሎና እዋን ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ካብ ዝተፈላለዩ ማኅበራውን ፖለቲካውን ሰብኣውን ሽግራት ገዛእ ርእሶም ከናግፉ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ከምዝርከቡን፣ ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ብዛዕባ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ዝምልከት ውሳኔ ከይተኸበረሎም ንገዛእ ርእሶም ተሓዲጎም ንምዝመዛ ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ብምዝኽኻር፣ እዞም ሕፃናት እዚኣቶም ምሉእ ሰብኣዊ ባህላዊ መንፈሳውን ኣብ ግብረ ገብ ዘተኮረ ዕብየቶም ውሑስ ክኸውን ካብ ፍትሒ ዝነቐለ ፍሉይን ቅኑዕን ቆላሕታን ሓልዮትን ክግበረሎም ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና ኣመልኪቶም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዓንቀጽ 3 ተመልኪቱ ዘሎ ብዛዕባ ናይ ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ብዘይ ምውልዋልን ቅድመ ኩነትን ምኽባር የድሊ፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ብዓይኒ ክርስትና ክርኤ እንከሎ ድማ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ፍቕዲ 40ን 45 “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ….እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንዓይ ከም ዘይገብርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመርኰዘ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ምስ ናይ መንግሥታትን ዓለም ሓቆፍ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓልዩ ማሕበራትን ብምትሕብባር ንናይ ሕጻናት ሓልዮት ከምዝዓዪ እውን ሓቢሮም ኣብ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንገዛእ ርእሱ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ክፍሊ እውን ክሕንጸጽ ከምዘለዎ የነቓቕሕን መምርሒ እውን ከምዘቕርብ ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና በዛ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ ሰበኻታት ቁምስናታት ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ካብ እምነትን ፍቕርን ዝነቐለ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ክፍጽሙን ኩሉ ማኅበረ ክርስትያን ነቶም ንናይ ሕፃናት ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝምልከት ማኅበራዊ ብድሆታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣቃልቦ ክገብሩ ከምዘተሓሳሰቡ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.