2010-01-16 12:51:11

ብፁዕ ካርዲናል ኤቸጋራይ ካብ ቤት ሕክምና ወጺኦም


ዕለት 24 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ናይ በዓለ ልደት ሥርዓት ቅዳሴ ንኸዕርጉ ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ዓቡናትን ብሁባሬ ናብ መንበረ ታቦት እናምርሑ እንከለዉ ሓንቲ ሱሳና ማዮሎ ዝተባህለት RealAudioMP3 ካብቲ ምእመናን ተሳተፍቲ ሥርዓት ቅዳሴ ዝርከብሉ ቦታ ናብ ቅዱስ ኣቦና ገጻ ብምምራሕ ብናይ ቅዳሴ ልብሶም ሒዛ ክትጎቶም ዝረኣዩ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን፣ ናይ ውሑደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሮጀር ኤቸጋራይ ንቅዱስ ኣቦና ንኽከላኸሉ እንክብሉ ወዲቖም ብዝወረዶም ማህሰይቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣጐስቲኖ ጀመሊ ናይ ካቶሊክ ናይ ሕክምና መንበረ ጥበብ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 27 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ንሉእ ሪሕ መጥባሕቲ ተገይርሎም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ካብ ቤት ሕክምና ከምዝወጹ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመፍሓላለፈ መገልጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.