2010-01-14 13:42:05

ካቶሊካውያንን ኣይሁድን፦ ሕውነትን ምሕዝነትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቀረባ እዋን ማለት ዕለት 17 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኣይሁድን ዘሎ ሕውነትን RealAudioMP3 ምሕዝነትን ቀጻሊ ስምምዕን ዝምስክርን ዘተባብዕን ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ናብ ናይ ሮማ ሙክራብ መምህር ሪካርዶ ሰኚ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ንዝተሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ መሠረት ብምግባር ብኽታሞም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል በርቶኔ ክታም ዝተነበረሉ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮቶም ንመምህር ሰኚን ኣይሁዳውያንን ገሊጾም፣ እቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ዝገብርዎ ምብጻሕ፣ ሕውነትን ምሕዝነትን ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ዝምስክርን ዘተባብዕን ኢዩ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መገልጺ የረጋገጽ።

ብዛዕባ እቲ መደብ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ሃይማኖት ኣይሁድን ዘሎ ርክብ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊክን ዘሎ ርክብ ክሕድስን ብሉጽ ክገብሮን ተስፋ ኣሎኒ ኢሎም፣ ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ዝወሃቡ ክሌኣዊ መገልጺታት ነቲ ፍልልያት ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ሓደ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነትን ናይ ሓባር ልዑል ረቛሒ ዘቃልሕን ከምዝኸውን አረጋግጽ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኣሥርቱ ቃላት ዝቖመ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ኣቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሾሃ ማለት ናይ ሞት ጥፍኣት ብዙሕ ዘተ ከምእተገብረሉን ስዒቡ ድማ ብዛዕባ ጸገማት ኅልው ኩነታትን ነዚ ሽግር ንምብዳሕ ብሓባር ክውሰዱ ዘለዎም ውሳኔታትን ዓቢ ምይይጥ ከምእተገበረሉ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኣይሁድ ሃይማኖትን ዓበይቲ ርክባት ይፍጸሙ ኣለዉ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.