2010-01-12 14:10:21

ቅዱስ ኣቦና፣ ናይ ሓዘን መገልጺ መልእኽቲ


ብፁዕ ካርዲናል ኣርማንድ ጋኤታን ራዛፊንድራታንድራ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ልሒቅ ሊቀ ጳጳስ ተባዕን ምስጡን ጓስ ሕዝበ RealAudioMP3 እግዚኣብሔርን ሕዙናትን ድኻታትን ኔሮም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16 ናብ ኣንታናናሪቮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦዶን ማርተ ኣርሰነ ራዛናኮሎና ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመልኪቶም፣ ኣብቲ ናይ ማዳጋስካር ቤተ ክርስቶያን ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኖም ብምርግጋጽ ድማ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ራዛፊንድራታንድራ ከይሰልከዩ ገዛእ ርእሶም ኣብ ብሥራተ ወንጌል ኣወፍዮም ንሕዝቢ ማላግጋሽ ብምግልጋል ዘርኣይዎ ጓስነት ንውሉደ ክህነትን ብጹዓን ኣቡናትን ኣብነት ኢዩ ቢሎም፣ ንምእመናን ማዳጋስካርን ብፍላይ ድማ ንናይ ኣንታናናሪቮ ምእመናን ቡራኬኦም ብምቕራብ ንቤተሰብ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ራዛፊንድራታንድራን ንዅሎም ነቶም ኣብ ናይ ቀብሪ ሥነ ሥርዓት ተኻፈልቲ ምጽንናዕን ሓልዮት እግዚኣብሔርን ተመንዮም ኣባታዊ ቡራኬኦም ከምዘቕረቡ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.