2010-01-12 14:15:03

ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት


31 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መላእ ዓለም ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝኣመተ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጸሎት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርበሉ ዕለት RealAudioMP3 ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓልዮት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝተበገሰ መደብ ጸሎት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዕሥራን ኣርባዕተን ሰዓት ኣብ 500 ከተማታት ዓለም ብዝተፈላለዩ 700 ናይ ጸሎት መደባት ተሰንዩ ከምእተኻየደ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ።

እቲ ለብዘበ ዕለት 31 ጥሪ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖንን ምቕራብ መሥዋዕተ ቅዳሴታትን ዝተፈላለዩ ማኅበር መንሰያት ስካውንትን ብሔራዊ መንእሰያት ር.ሊ.ጳ. ማኅበርን፣ ሓዋርያዊ ምንቅስቃስ መንሰያት ምእንቲ ሓልዮት ሕይወትን ካብ ዝተፈላለያ ማኅበራት ዝተዋጽኡ 150 ወከልቲ ዘሳተፈ ኣሠር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰምየ ንግደት ናብ ቅድስቲ መሬት ክፍጸም ምዃኑ እዚ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ዕለት 26 ግንቦትን ዕለት 2 ሰነን ክፍጸም ምዃኑ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንደሊ ዝብል ኣብ ፌስ ቡክ መርበብ ዝርከብ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ቅስቲ መሬት ዝዓዩ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝተፈላለያ ሰላም ዘነቃቕሓ ማኅበራትን ዝሓቍፍ ጉጅለ ምውካስ ነታ ዕለት 31 ጥሪ ደገፍን ተሳትፎን ምርግጋጽ ዝከኣል ምዃኑ ተሓቢሩ። ዕለት 25 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ብዛዕባ እቲ ዕለት 31 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ ዝካየድ መደብ ጸሎት ኣበይ ቁምስናታትን ናይ ጸሎት ኣባይትን ዝካየድ ምዃኑ ምሉእ ሓበሬታ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.