2010-01-07 14:07:49

ትርጉም በዓለ ግልጸት


ብዛዕባ ትርጉም ግልጸት ኣመልኪቶም ናይ ሊጡርጊያ ሊቅ ኣባ ጁዜፐ ቡሳኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንከረድኡ፣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእልታዊ ባህርይ ነቲ ኣብ ሓቀይና ኣምላኽ ዘይኣምን ሕዝቢ RealAudioMP3 ዝተገለጸሉ፣ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን ታሪኽ ንዅሉ ሕዝቢ ዝቐረበ ጸዋዕታ ከምዝኾነ ዘመልክት ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ መጽሓፍ እዚ መልእልታዊ ግልጸት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ሰብ ጥበብ ኣተሓሒዙ ይገልጾ። እዞም ሰብ ጥበብ ካብ እስራኤል ኣዚዮም ዝረሓቑን ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጹ ፈላጣትን ሃብታማትን ዝኽበሩን ስባት ኢዮም፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ድላይ ኵላዊ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። ቦታን ዓሌትን ከባብን ዘይብል ንዅሉ ዝተውሃበ ጸጋ ኢዩ፣ ብካልእ መዳይ ድማ እዞም ሰብ ጥበብ እቲ ዘለዎም ፍልጠት ክፉትን ሓቂ ኣብ ምድላይ ዝተጸምደ ምዃኑ ዘመልክትን፣ ናይቶም ፈላጣት ኢና ዝብሉ ኣብ ፍልጠቶም ጥራሕ ዝኣምኑ ኣብ ጌጋ ከምዘለዉ ዘቃልዕን፣ ሰብኣዊ ፍልጠት ንበይኑ ምሉእ ወይ ድማ ብቑዕ ከምዘይኮነ ዘመልክት ኢዩ።

ፍልጠት ብዘይ ብስለት ክህልወካ ዝከኣል ኢዩ፣ እዞም ሰብ ጥበብ እዚኣቶም ግን ፍልጠቶም ብሱል ከምዝነበረ ነቲ ዝተገልጸ ሓቂ ክሠግድሉ ምኻዶም ዘረጋግጾን፣ ናብ ቤተልሄም ቅድሚ ምኻዶም ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ እዚ ድማ ሓቂ ኣብ ምድላይ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ሰብ ክፈጥሮ ዝኽእል ጌጋ ከምዘሎ ዘረድእ ኢዩ። እዚ ከይደረቶም ግን ናብ ቤተልሔም የቕንዑ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣክንዲ ናብ ቤተልሔም (ናብ ኢየሱስ) ናብ ኢየሩሳሌም (ናብ ሄሮዱስ) ክኸዱ ይርኤይ፣ እዚ እግዚኣብሔር ኣብ ምድላይ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ዘጋጥም ወይ ድማ ዝፍጸም ነቲ ክንፍጽሞ ዘሎና ሓቀይና ጉዕዞ ዳግም ክንብገስ ብሓድሽ መንፈስ ዝድርኽና ኩነት እውን ኢዩ ዝገልጽ እንክብሉ ትርጉም ግልጸት ብሓጺሩ ብዓይኒ ስነ ሊጡርጊያ ዘለዎ ትርጉም ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.