2010-01-07 14:10:27

ብዝሒ ጸዋዕታ


ኣብ ላኦስ ጸዋዕታ ይስስን ከምዘሎ ኡካ ኔውስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣባ ኤንቶንይ ዊቡን ሊምፓፋዉዝ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር። ኣብ ላኦስ ብቕዱስ ዮሓንስ ቪያነይ ስም ዝጽዋዕ ሓደ ዓቢይ ቤት ምህርቲ ዘርኣ ክህነት RealAudioMP3 ከምዘሎን ክንገር እንከሎ፣ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ካብ 19 ክሳብ 23 ዓመት ዝዕድሜኦም 9 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከምዘለዉን፣ ኣብዚ ቤት ምህርቲ ዘርኣ ክህነት ካልኦት ዓለማውያን ምእመናን ናይ ፍልስፍናን ነገረ መልኮትን ዝመሃሩ እውን ዝርከብዎ ከምዝኾነ ኣባ ሊምፓፋዉዝ ሓቢሮም፣ ብዝሒ ናይቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ርኢኻ ኣብ ላኦስ ጸዋዕታ ውሑድ ኢዩ ክትብል ትኽእል፣ እንተኾነ ግን ኣብዛ ሃገር ውሽጢ ንዝነበር እቲ ጸዋዕታ እና ጠጠዔ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረድእ ሓቂ ኢዩ፣ ኣብ ላኦስ 20 ካህናት ከምዘለዉን መብዛሕቲኦም ድማ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ውጻኢ ሃገራት ከምዝተልኣኹን ሓቢሮም፣ ብዝሒ ሕዝቢ ላኦስ 6 ሚሊዮን ከምዝኾነን ካብዚቶም 48 ካብ ሚእቲ ናይ ቡድሃ እምነት ሰዓብቲ ኢዮም። ብዝሒ ክርስትያን ድማ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝሽፍን ከምዝኾነን ጸዋዕታን እምነት ክርስትናን ዝቕበሉ እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ ከምዝበሉ ኡካን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.