2010-01-07 14:06:30

በዓለ ግልጸት


ብላቲን ሥርዓት ትማሊ በዓለ ግልጸት ከምዝበዓለ እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ኣብ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ RealAudioMP3 ዕብየት እግዚኣብሔር ናይቲ ዓለም ብዛዕባ ዕብየት ዘለዎ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝግልጽ ዘይኮነስ፣ ከምቲ ሓደ ሕፃን ኃይሉ ኣብ ፍቕሪ ጥራሕ ዝኣምንን ምእማን ፍቕሪ ዝገልጽ መገዲ ዝኽተል ከምዝኾነን እግዚኣብሔር ድማ እቲ ናቱ ዕብየትን ኃይልን ነዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ዘንጸባርቕ ብክርስቶስ ቀረባና ኰይኑን ኵለንተናናን ከምዝፈልጥ ድማ ኣረዲኦም።

እቶም ሰብ ጥበብ እቲ እተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ ክንሰግደሉ መጺኢና ይብሉ፣ እዞም ሰብ ጥበብ እቲ ንወዲ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዘድልዮ መሠረታውያን ደገፍ ዘይኮነስ ፍትሓውነት ዘንጸባርቕን ተኣዝዞ ክገልጹን ቢሎም እቲ ንሓደ ንጉሥ ወይ ድማ ንልዑል ከም ገጸ በረኸት ዝቐርብ ህያብ፣ ነቲ ኣብ በዓቲ ዝተወልደ ሕጻን ኣቕረቡ፣ እዚ ድማ እግዚኣብሔርን ንጉሥ ከምዝኾነ ዝምስክር ኢዩ። ስለ’ዚ ናብ ንጉሥ ሔሮዶስ ዘይመምለሲኦም እቲ ናይ ሓቂ ንጉሥ መን ምዃኑ ዘረድእን ዝሕብርን ኢዩ ቢሎም፣ በታ ናብ ቤተልሔም እትወስድን ዓለም ዝልውጥ ኣብ መንጎ ድኻታት ናይ ዝተገልጸ ናይ ፍቕሪ መገዲ ተመሪሖምን፣ ሓዳሽ መገዲ ረኺቦም ኢዮም፣ እታ ናይ ቤተሔም መብራህቲ ሎሚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ተኾሊዓ ተብርህ ኣላ። እቶም ኣብ ቤተልሔም ዝተረኽቡ ሰባት ውሑዳትን ድኻታትን እንተኾኑ ብዙሓት ኮይኖም ኢዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ፣ ከምቶም ሰብ ቤተልሔም ኮይኖም ኣይረኣዩን፣ ክርስቶስ ኣብ ዝተወለደሉ እዋን እታ ልደት ጎይታና እተበሥር ኰዀብ ዘቃለቡላን ብኣኣ ተገሪሞም ዝሰዓብዋ ውሑዳት ኢያቶም፣ ብዙሓት ሸለል ኢሎምዋ ኢዮም፣ እዚ ዘይምግራም ሸለል ምባልን፣ ኣብቲ ናብ ቤተልሔል ዝወስድ መገዲ ዘይምስዓቡ ምኽንያት፣ ትዕቢትን ሕሉፍ ምልኣት ኣነነንት ሕሉፍ ርእሰ ብቕዓትን ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገልጾ ሓድሽ ነገር ዘየስተማቕርን ዘየቃልብን፣ ብዛዕባ ዘሎን ዝኸውንን ዝመጽእን ደምዳምን ዘየማትእን ፍርዲ ዝሃበ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ።

ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ተደኒቑን ተገሪሙን ኣታ ኰዀብ እተመልክቶ ናይ እግዚኣብሔር መገዲ ንምስዓብ ዘተባብዕ እቲ ኣብ ወንጌል ዝግለጽ ትሕትናን ናይ ሕጻን መንፈስ ዝዓሰሎ ልቢ ተሳኢኑ ኢዩ፣ ክንርእን ክድሕንን ንእግዚኣብሔር ዝከኣሎ ኢዩ እሞ፣ እግዚኣብሔር ብሱልን ንጹህን ልቢ ክህበና ንለምኖ ከምዝበሉ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ስርዓት ቅዳሴ በሸሓት ዝቝጸሩ ካብ ወጻእን ውሽጢ ኢጣሊያን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተሳተፍሉ ጸሎት መልእከ እግዚኣብሔር መሪሖም፣ እቶም ሰብ ጥበብ ናይቲ ሓቅይና ንእግዚኣብሔርን ንሓቅን ዝደልን ዘማዕድውን ሓሰስ ዝብልን ሰብ ዝውክሉን፣ ፈላጣትን ተመራመትን ክነሶም እቲ ናቶም ፍልጠት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ውልቀ ብቕዓት ዝተመልኤ ዕቡይ ፍልጠት ዘይኮነስ ክፉት ንመለኮታዊ ሓቂ ዘማዕድው ፍልጠት ኢዩ ኔሩ፣ ቢሎም እግዚኣብሔር ባዕሉ ነቲ ዘመናዊ ብስለት ሓዲጉ ንበይኑ ብዘይ ተሓባባሪ ታሪኽ ድሕነት ምፈጸመ ዝከኣሎ እውን ኢዩ፣ እዚ ገዲፉ ግን ነቲ ግልጸቱ ኣብ ታሪኽ ሰብ ኣእትዩ ኵነት ሰብ ኣልቢሱን ኢዩ። ከምታ ናይ ሓቀይና ጥበብን ሓቀይና እግዚኣብሔርን ምድላይን ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ስነ ፍልጠትን ግልጸትን ናይ ዘሎ ዓሚዩቕ ምዕዙዝ ስምምዕ ኣብነት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትሓግዘና፣ እቲ ናይ ብርሃን ሚስጢር ምንጪ ሓጎስን ንስድራ ቤትን ማኅበርሰብን ምንጪ ሰላም ክኸውን ድማ ተማሕጺኖም ርሑስ በዓለ ግልጸት ንዅሉ ተመንዮምን ቡራኬ ከምዝሃቡ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.