2010-01-07 14:09:21

መንፈሳዊ ጉዕዞ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ናይ መንፈሳዊ ንግደት ተግባር ማኅበር ዘዳለዎ ብዛዕባ መንፈሳዊ ንግደት ዝትንትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንፈሳዊ ንግደት ካብ ዕለት 14 ጥሪ ክሳብ 17 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ክካይድ ምዃኑ RealAudioMP3 ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የረጋገጽ።

ብዓይኒ መንፈሳዊ ነጋድያን ዝርኣዩ ቅዱሳት ቦታታትን ናይ ስነ መንፈሳውነትን ስነ ሃይማኖትን ቤተ መዘክራትን ታሪኽ ቅዱሳን ዝገልጹ ቦታታት ዝትንትን ዕለት ክኸውን እንከሎ እዚ ናይ ለብዘበን ምርኢት ኣብ ብሓፈሻኡ ኣብ ኵለን ሃገራት ዘተኮረ ከምዝኸወን ድማ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ። ድሕሪ መደብ ምርኢት እዚ ናይ ከተማ ሮማ ናይ መንፈሳዊ ንግደት ተግባር ማኅበር ናብ ኣርጀንቲና ብራዚል ኮሎምቢያ ሃይቲ መክሲኮ ዶመኒካን ረፓብሊክን ፐሩን መደብ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘዳለው ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.