2010-01-05 14:23:37

ጸረ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዝሓቀነ መጥቃዕቲ

 


ኣብ ኢጣሊያ ረጆ ካላብሪያ ኣብቲ ክሊ ብዝርከቡ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣሸበርቲ ዘጽመድዎ ቦምቢ ኣብ ሕይወት ሰብ ሓደጋ ከምዘይስዓበ እንክንገር፣ እቲ ተጸሚዱ ዝነበረ ቦምቢ ከምቲ እቶም ኣጽመድቱ ዝሓሰብዎ ምሉእ RealAudioMP3 ብምሉእ ተፈንጂሩ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ናይ ሰብን ንብረትን ኪሳራ ዘይሰዓበ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተፈጸመ ሓደጋ ብናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔርን ብመራሔ መንግሥትን ላዕለዎ ናይ መንግሥቲ ዘበ ሥልጣናትን ናይ ቤተ ክርስትያንን መራሕትን ከምእተኾነነ እንክንገር፣ ሕጋውነት ምርግጋጽን ሕጊ ናይ ምኽባር ከይዲ ቤት ፍርዲ ኢጣሊያ በቶም ናይ ኢጣልያ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝቕየር ከምዘይከነ መንግሥትን ናይ ኢጣሊያ ናይ ደያኑን ናይ ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕግን ፍትሕን ሚኒ. አንጀሊኖ ኣልፋኖ ንናይ ካላብሪያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መራሒ ሳልቫቶረ ዲ ላንድሮ ብስልኪ ተራኺቦም ሕጋውነት ብድላይ ኣሸበርቲ ዝዕጸፍ ዕላማ ከምዘይኮነ ብምርግጋጽ ደገፎምን ምትሕብባሮምን ከዘረጋገጽሎም ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ረጆ ካላብሪያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪቶሪዮ ልዊጂ ሞንደሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ ከባቢ ብተደጋጋሚ ናይ ውሽጢ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ናይ መፈራርሒ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ናይ ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ፍርድ ቤት ዝተፈጸመ ምዃኑ ፍልይ ዝበለ ኢዩ፣ ስለዚ ድማ እቶም ኣሸበርቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ገበን ጉጅለታት ዝወስዶ ዘሎ ውሳኔ ንምዝባዕ ወይ ድማ ናይቲ ናይ ገበን ጉጅለ ላዕለዎ መራሕቲ ንሓደጋ ተቓሊዖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዕልሉ ግዜ ዝቐረበ ምዃኑ ዝሕብር ናይ ተስፋ ቁርጸት ምልክት እውን ክኸውን ዝኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ካብ በዓለ ልደት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚርና ይብሉ ቤተ ክርስትያን ረጆ ካላብሪያ ኣብዚ ከባቢ ዝርኤ ዓመጻትን ገበናትን ተወጉዱ ሰላም ክረጋገጽ ከይሰልከየት ነቲ ወትሩ ተቕርቦ ናይ ሰላም ጻውዒት ደጊማ፣ ሕዝቢ ጸረ ሕጊ ዘበለ ከይዱ ኩሉ ክቃወምን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ክኽተል ተተሓሳስብ ከምዘላ ገሊጾም። እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ነቲ ዝኽተልዎ ጉጉይን ጸረ ሰላም መገዲ ራሕሪሖም ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱን ክልወጡን እውን ከምእትዕድም ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ክፍኣት መገዲ ኣውጊዶም እቲ ንኽፍኣት ዝጥቀምሉ ኃይሎምን ክእለቶምን ኣብ ሰናይ ዕላማን ንጥቕሚ ሕዝቢ ኣብ ዝድምዕ ሞያ ከውዕልዎ ወትሩ ጻውዒት ተቕርብ፣ ሕጂ እውን ደጊማ ተቕርቦ ቢሎም፣ ብዙሓት ነቶም ናይ ገበን ጉጅለ ክቃወሙን ካልኦ ብዙሓት መንእሰያት ድማ ብዝተፈላለዩ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ረብሓ ተደሪኾም ሱቕታ ክመርጹን ወይ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ደገፎም ከቕርቡ ይርኤይ ኢዩ፣ ነዚ ንምዕራይ ድማ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ትገብሮ ኩለን ናይ መራኸቡ ብዙኃንን ካልኦት ናይ መንግሥቲ ማኅበራት ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ሕንጸትን ናይ ሕጋውነት ባህሊ ኣብ ምስፍሕፋሕ መዳይ ክዋስኡ ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.