2010-01-05 14:29:52

ካቶሊካውያን ምእመናን ናይ ሕይወት ባህሊ ከኽብሩ


ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ምእመናን ጸረ ሕይወት ዘበለ ባህሊ ክቃወሙን ኣብ ምኽባር ሕይወት ክተግሁን ብምትሕስሳብ መንግሥቲ ሃገሮም ኣብ ናይ ስፐይን ሕገ መንግሥቲ ብዛዕባ ጉዳይ RealAudioMP3 ጽንሲ ዝምልከት ዓንቀጽ ንምሕዳስ ብዝብል ምስምስ ዝተኣታትዎ ዘሎ ጽንሲ ምንጻል ዝፈቅድ ውሳኔ፣ መሰል ምኽባርን ፍቓድን ደቀንስትዮ ቢሉ ዘተኣትትዎ ዘሎ ጸረ ሕይወት ዝኾነ ባህሊ ኮኒኖም፣ እዚ ንረብሓ ማኅበራዊ ሕይወት ዝብል ምኽኒት ተዋሂብዎ ዘሎ ጸረ ሕይወት ባህሊ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኣካልውን ኣእምሮኣውን ሳዕቤን ዘለዎ ጎዳኢ ባህሊ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዕለት 27 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝውጽእዎ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ እቲ መንግሥቲ ዝውጽኦ ውሳኔ ኩሉ ካቶሊካዊ ምእመን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዘውጽኦ ውሳኔን ናይ ቤት ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ መሠረት ገይሮም ክቃወምዎ ክምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ስፐይን ምእንቲ ምኽባር ሕይወት ዝሓሊ ማኅበር እቲ መንግሥቲ ስፐይን ንምኽባር ጥዕናን መሰልን ፍቓድን ደቀ ንስትዮ ቢሉ ዝተኣታትዎ ዘሎ ባህሊ ምንጻል ጽንሲ ጸረ ምኽባር ጥዕናን መሰልን ፍቓድን ምዃኑ ብምትንታን ካቶሊካውያን ኮኑ ዘይካቶሊካውያን ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክቃወሞ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተረጋጉጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.