2010-01-05 19:24:45

አብ እግዚአብሔር ዝአምን ብዝመጽእ ግዜ አይፈርሕን ኢዩ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝሐለፈ ሰንበት ምስቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሆጭ ኢሉ ዝነበረ ህዝበ ክርስትያን ሐቢሮም ናይ”ዚ ዓመት”ዚ ቀዳማይ መልአከ እግዚአብሔር አብ ዝደገሙሉ ግዜ ፡ ተስፋና አብ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ጠቂሶም እግዚአብሔር ብግልጸተ ኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ምስ ወዲ ሰብ ከም ዝኾነን ፡ ታሪኹ ከም ዝክፈልን ከም ዘግሀደ ገሊጾም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እምብአር ናይ ሊቃነ ጵጵስንኦም መለለዪ` ዝኾነ ተስፋ ዝተሰየመ ዓቢ አርእስቲ እንደገና አልዒሎም አብ ፈጠሪ ኩሉ ዓለም ዝአምን ከም ዘይጠፍእ ሕይወቱ ውሑስ ከም ዝኾነ አረዲኦም።

እታ ካልአይቲ Spe salvi ብተስፋ ድሒና ትብል ሐውርያዊ መልእኽቶም ክአ ብዛዕባ ክርስትይናዊ ተስፋ ተዘንቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዝነበረት ዝዝከር ኢዩ።

ናእሽቱን ዓበይትን ተስፋታት ከም ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጠቂሶም ፡ ተስፋኻን እምነትካን አብ እግዚአብሔር ምግባር ጽኑዕ ነቅ ዘይብል ውሑስ ተስፋ ከም ዝኾነ እቲ አብ ናይ ኤኮኖሚ በሰላት ወይ ጠንቆልቲ ዝህብዎ ተስፋ ብዕቅሊ ጽበት ዝእቶ ኮን ዶኾን ኢሉ ሰብ ዝገብሮ ተስፋ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ወዲ ሰብ አብ ሕይወቱ ዝተፈላለዩ ነገራት ስለ ዘተሐሳስብዎን ዘሽግርዎን ዘሰክፍዎን ሐዲሽ ዓመት ክአቱ እንከሎ ተስፋን ትጽቢትን ክገብር ባህርያዊ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ሐቀኛ ተስፋ ዘይጽዓድ ተስፋ ርግጸኛ ነባሪ ተስፋ ግን አብ እግዚአብሔር ምግባር እቲ ዝዓበየ ብልሐት ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም።

ተስፋ ክሃብል ከሎ አብ ምንታይ ዝተመሥርተ ኢዩ ኢሎም ንርእሶም ዝሐተቱ ናይ ኩላዊት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ እዚ ተስፋ”ዚ አብቲ ምእንቲ ክንፈትዎን ክንፈልጦን ዝፈጠረና አብቲ ምሕረት ዝህብ ሩሕሩሕ እግዚአብሔር ዝተመሥረተ ኢዩ ኢሎም አብሪሆም።

ቀጺሎም እቲ ምእንቲ ድሕነት ወዲ ሰብ አብ መስቀል ዝሞተን ድሕሪ ሳልስቲ ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ገጹ ንሰብ ተቃሊዑ ተራእዩ ዘውድቅን ዘይሃስስን ተስፋ ከም ዝሀበ አረዲኦም።

ቤተክርስትያን ነዚ ኢያ ክርስትይናዊ ተስፋ ኢላ ትጽውዖ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ተስፋ ዝገብር ሰብ ዝኾነ ይኹን ሽግር ክሰግሮ ክስዕሮ ዝክእል ኢሎም።

ዘመናዊ ሳይንስ ንእምነትን ተስፋን ናብ ሐደ ጸግዒ ከወግኖም ከምዝርኤ ጠቂሶም ሰብን ዓለምን እግዚአብሔር ከም ዘድልዮም ግን ጋህዲ እናኾነ ይኸይድ ከም ዘሎ አመልኪቶም።

ካብ እግዚአብሔር ዝርሕቁ ሰባት ተስፋ አልቦ ክተርፉ ከም ዝኾኑ ዘተራጥር ነገር ከም ዘይሎ ክአ አገንዚቦም።

ሳይንስ ንዘመናዊ ምዕባሌ ሰብ አገዳሲ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጠቂሶም ንሰብ ከድሕን ግን ከም ዘይክእል ጠቂሶም ውልቃውን ማሕበራውን ሕይወት ሰብ ሰናይ ዝኽወን በቲ ምእንቲ ድሕነቱ ሕይወቱ አሕሊፉ ዝሀበ ክርስቶስ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ስለዚ ናይ ወዲ ሰብ ተስፋ አብ እግዚአብሔር ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ክአ ገሊጾም።

ምኽንያቱ ንሱ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ንወዲ ሰብ ተፋሊጥዎ ሕይወት ክአ አልቢስዎ እዚ ሕይወት”ዚ ተመሊሱ ናብኡ ናብቲ ዝሀበ ክምለስ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ምሕረት እግዚአብሔር ጥራሕ ኢዩ ሕይወት ወዲ ሰብ ክልውጥ ዝኽእል ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ሐቀኛ ተስፋ ካብኡ ወጻኢ ከም ዘይርከብ አመልኪቶም ፡

ወዲ ሰብ ብፍቅሪን ክእለትን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ነጻ ከም ዝኾነ ነጻናቱ ግን ን ኣብ ግጉይ መንገዲ ክመርሖ ከም ዘይብሉ ክአ አረዲኦም።

ወዲ ሰብ ክድሕን ተስፋ ክገብር ብሩህን ብሩኽን ሕይወት ክህልዎ እንተደልዩ አብቲ ብአምሳሉ ዝፈጠሮ ክጽጋዕ አብ ቅዱስ ወንጌላዊ ተስፋ ክአምን ከም ዘድሊ ክአ አመልኪቶም።

ተስፋ ዝገብር ሰብ ርእሱ ናብ እግዚአብሔር ከቅንዕ አብኡ እምነት ከሕድር አብኡ ተስፋ ክገብር ከም ዘለዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ዝሐለፈ ሰንበት ምስ ህዝበ ክርስትያን ሐቢሮ ዝደገምዎ ጥልቂ ዝኾነ መሳጢ ሕልና ወዲ ሰብ ዘበራብር መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት አገንዚቦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.