2010-01-04 15:40:29

ሰንበት ዘኖላዊ 2002 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም . . . . . ። ንባባት፡ ዕብ. 13፡16~ፍ፤ ግ.ሓ. 11፡22~ፍ፤ ዮሓ 10፡1~22

ክርስቶስ ጓሳና እዩ ነብያት ንሱ ጓሳ ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” ይብለና (ዮሓ 10፡14)። መዝሙር “ቅድም እቲ ሙሴ አብ ኦሪት ዝተዛረቦ ነገሮም ዳዊት ድማ ኃይልኻ አርኢ ንዓ አድኅነኒ እቲ ጓሳና ካብ ሰማያት ወሪዱ እዩ እቲ ጓሳና ብጃ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን እዩ ተአዚዙ ንእስራኤል ጓስኦም ኮነ ከድኅን ወሪዱ መጸ፥ ንስኻ ብአፍ ነብያት ዘመጸ ረዳኢ አምላኽ ኢኻ ናብ ሕዝብኻ ሰላም ስደድ ሕያዋይ ጓሳ ምስጉን ከማኻ ዝበለ መን አሎ ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ክትከውን ብትእዛዝ አቦኻ ካብ ሰማይ ወሪድካ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ” እናበለ ጎ.ኢ.ክ. ጓሳ ሕዝቢ ኮይኑ ከም ዝመጸ ይገልጸልና።

ጓሳ ሓላዊ ሓላዪ እዩ። ንመጓሰኡ ኩሉ ጊዜ ይጥምተን አብ ዝሓሸ ቦታ ይመርሐን ካብ አራዊት ካብ ዓመጽቲ ካብ ሕማም ካብ ኩሉ ይከላኸለለን ድምጸን ይፈልጠን ንሰን ከአ ብድሃዩ የለልየኦ። ክፍሊ ናይ ሰውነቱ እየን ንሰን ከአ ይፈትዋኦ።

አብ ጊዜ ኢየሱስ ጓሶት አሽሓት መጋርያ አባግዕ ይሕልዉ ኔሮም አብ ጊዜ ሓጋይ አብ ማይ ሳዕሪ ዘልኦ አብ ጊዜ ክረምቲ ካብ ቁሪ ክሕልዉ ከቢድ ሥራሕ እዩ ነሩ። ካብ እንስሳ በረኻ ኻብ ሰረቕቲ ካብ ሕማም ክሕልዉ ይግባእ ከምኡ ቁጽረን ክፈልጡ ይግባእ። ዳዊት ንጉስ ንእሽቶይ እንከሎ ከምኡ እዩ ነሩ ሥርሑ 1ሳሙኤል 17፡34።

ኢየሱስ እቲ ጓሳ እዩ።

ንሱ ንመጓሰኡ ይሕልወን ምእንትኤን ነፍሱ በጃ ይሕልፍ እዚ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘትስተምህረና። መሪሕነቱ አገልግሎት እዩ። አብ መንጎ መጓሰኡ ኩሉ ግዜ አሎ ብአካል ይሕልወን። አብ መጓሰኡ ዘልኦ ፍቕሪ ካብ ሕይወቱ ተፈልዩ ዝርኤ አይኮነነ። ጉስነት ኢየሱስ ክንርእዮ ከሎና፥ ንጸላእቱ ገጽ ንገጽ ይገጥሞም፥ ነቶም ካብ መጓሰኡ ዝሰርቁ ይገጥሞም፥ ነቶም ጸጒሪ በግዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ የለልዮም፥ አባግዕ ዝመስሉ ጸላእቱ ፈልዩ ይሓድጎም፥ ንተኸተልቱ ነቲ ከቢድ ጉስነት አመልኪቱ የጠንቖም፥ ንሱ ቀቅድሚኦም ይጉዓዝ፥ ንተኸተልቱ ከጥቅዕዎም ከለዉ ይከላኸለሎም፥ ንሱ ሓቅኛ መንገዲ ሒዙ ንመጓሰኡ ይከታተል፥ ንበይኖም ክኾኑ አይሓድጎምን፥ ይከላኸለሎም፥ ንርእሱ አብ ሓደጋ የውድቓ።

ኢየሱስ ብሕይወቱ፥ ብሞቱ ነቶም ዝጠፍኡ፥ ርሱዓት፥ ድሑራት ብዛዕብኦም ሓሲቡ። ንሱ ብዛዕባ ሓልዮት ክዛረብ እንከሎ ንሓንቲ ዝጠፍኤት ከናዲ ከምዝወጸ ይነግር። ሓንቲ ክትጠፍእ አይደልን እዩ። ክሳብ ዝረኽባ አይዕርፍን እዩ። ምስ ረኸባ አብ መንኩቡ ተሰኪሙ ምስተን ካልኦት ይሕውሳ እሞ ንሓጎስ ንጎረባብቱ ይዕድም።

ኢየሱስ ንዝጠፍኤ ክሳብ ዝረክብ አይዕርፍን እዩ፥ ኩልና ከምንፈልጦ ንዝጠፍኤ ነገር ክትደሊ ቀሊል አይኮነን። ብዙሕ ጻዕሪ የድልየካ ካብ ኩሉ አበይ ከም ዝጠፍኤ ምስ ዘይትፈልጥ። መብዝሕትኡ ዝጠፍኤ አይምዝገብን እዩ። ፍቕሪ አብ ዘይብሉ ምጥፋእ የለን ማለት ፍቕሪ እንተሎ ጥራሕ እዩ ንዝጠፍኤ እተናድዮ አይኮነ አይግድሰካን። ገለ ሰባት እንተ ጠፍኡ ብዙሕ ዘገድስ አይኮነን ገለ እዋን ክጠፍኡ ዝድፍኡ አለዉ ካባኻ ክርሕቁ፥ ኪድ/ዲ፥ ጥፋእ ንብሎም ምኽንያቱ ክርሕቁልና ስለ እንደልዮ። ግን አብ ኩልና ሓደ ነገር አሎ ንሕና አብ ሓደ ቦታ እንተ ጠፋእና ገለ ሰባት ክደልዩና ንጽበ። ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ስባት ክጠፍኡ ክንሓድጎም ከሎና እንጉድኦ ክንሓስብ ይዕድመና። “አነ ዝመጻእኩ ንዝጠፍኡ ክደሊ እየ። ኩልና ክልተ ሰለስተ ሰባት ካብ ቤተክርስትያን ዝጠፍኡ ንፈልጥ ኢና። እዞም ሰባት አባልት ቤተክርስትያን ኮይኖም አይስምዖምን እዩ ንሶም ክፍሊ ቁምስና ኮይኖም አይስምዖምን እዩ፥ እምብአር አብ ቤቶም ክንመልሶም ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።

ሰንበት ዘኖላዊ ንዘሎና ክርስትያናዊ ሓልፍነት ክንሓስብ እሞ ንዝጠፍኡ ክነናዲ ይዕድመና። አብታሪኽ ቤተክርስትያን ከም እነንብቦ ቤተክርስትያን ንዝጠፍኡ ክትመልስ ሰባት ክሽፍቱ ክርሕቁ ክሃድሙ ንርኡ። ሓደ ክጠፍእ እንከሎ ንምሉእ ማሕበር የጉሂ ወይ ሃይማኖት ክቕይር እንከሎ የጉሂ። እሞ ንሕና እንታይ ክንገብር ንኽእል ንዝጥፍኡ ክንመልስ።


ሰንበትና ጓሶትን ተጓሰይትን ክንከውን ይሓተና። ከም ጓሶት መጠን አብ መንጎና ሓልዮት ፍቕሪ ምትሕግጋዝ ክነጥሪ የድሊ። ከምጓሶት መጠን አርሒቕና ክንጥምት ከምኡ ብስለት መንፈስን ልቦና ክነጥሪ። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ከይንልካዕ። ካልአይ ተጓሲኻ ምኽአል። ከይንጠፍእ ክንጥንቀቕ አሎና አብ መንጎ መንፈስ ተኻሉ ዘልኦም ኩሉ ጊኤ አለዉ። ናይ መጓሰ ብተና ድኽመይ ክርእዩ መንፈስ ክርስቶስ ዝርሓቖም ኩሉ ጊዜ አለዉ ስለዚ ተጓሲኻ ምኽአል የድሊ። ክትጓሰ ናይ ጓሳኻ ድምጺ ምስማዕ የድሊ ካብ ብጾታ ዝተባረረት ጥሪት ዕጭአ ንአራዊት መሮር እዩ ስለዚ ከይንባረረ ንብጾትና ርኢና ክንክእል የድልየና። ንዝተባረሩ ሎሚ ክንመልሶም እሞ ልደት ክርስቶስ ሓደ መጓሰ ክገብረና ንጸሊ።

ልደትና ይአቱ አሎ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብ ክንገብር ዝሕግዘና እዋን። ሰላም መለለዪ ልደት እዩ። አብ ልብና ሰላም ክህሉ ምስ ሓውና ሓፍትና ሰላም ክህሉ ባይታ ክነጣጥሕ ሎሚ ግዚኡ እዩ። ኩሉ ፍጡር ንልደት መድሕኑ ክሰናዶ ብጸሎት፥ ጾም፥ ንስሓ፥ይዕደም አሎ መዓልቲ ልደት ብርሃን ክንለብስ ነቶም ብርሃን ዝሰአኑ አብ ብርሃን ክንመልሶም ሎሚ ንበገስ እሞ ንአኡ ዝኸውን ልብን መንፈስን የውርደልና።



አባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.