2009-12-27 18:33:24

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ልደት


ዓመት ዓመት ኣብ በዓለ ልደት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርቢ አት ኦርቢ ዘርእስቱ ከተማን መላእ ዓለምን ማለት ናብ ሮማን መላእ ዓለምን ዘቅነዔ መልእኽቲ ምኽንያት ብምግባር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተአከቡ ብአሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናን ሮማን ነጋዳያንን ከምኡ እውን ነቲ ብረድዮን ተለቪዥንን ብቀጥታ ዝከታተል ሕዝቢ መላእ ዓለምን “ኣብ ትሕቲ ስደትን መጥቃዕትን እውን እንተኾነ ቤተ ክርስትያን ምሥጢረ ፍቅርን ብርሃንን ንዝኾነ ኢየሱስ ሕፃን ንዓለም ንምውፋይ ድሕር ኣይትብልን” ክብሉ ሰፊሕ ስብከት አስሚዖም።

ቅዱስነቶም ናብ ሮማን መላእ ዓለምን ዘቅነዔ ስብከቶም ከምዚ ክብሉ ጀመርዎ፣ “ዝኸበርኩም ኣብ ሮማን መላእ ዓለምን እትርከቡ ፍቁራነ እግዚአብሔር፣ እተፈቶኹም ኣኅዋተይን ኣኃተይን፣ መባእታ ሮማዊ አኰቴተ ቍርባን “ጐይታ ተወሊዱልና ብርሃን ኣብ ልዕሌና ከንጸባርቅ እዩ” ይብል፣ ጸሎተ ስብሓተ ነግህ ከአ ምሕላፍ ለይትን መዓልቲ ከብዲ አድጊ ኰይኑ ብርሃን ምድርጓሑን ካብ በዓቲ ቤተ ልሔም ዝጸርገወ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ከም ዘንጸባረቀ ይገልጽ።

ቅዱስ መጽሓፍን ሥርዓተ ኣምልኾን ብዛዕባ ባህርያዊ ብርሃን ኣይኮኑን ዚዛረቡ፣ ንዓናን ኣባና ስለዘተኩር ብዛዕባ ፍሉይ ብርሃን እዩ ዚዛረብ፣ ንዓና ኣብ ቤተ ልሔም ሕጻን ተወሊዱልና፣ እዚ ንሕና ዚብል ክንዲ ስም፣ ነታ ብተስፋ ልደት መድኃኔ ዓለም ዝተጸበየን ሎሚ ዓሚቍ ትርጉምን ምሥጢርን ልደት ዘኽብር ብኢየሱስ ንዚአምን ሰፊሕ ዓለም ሓቆፍ ሥድራቤት ማለት ንቤተ ክርስትያን የመልክት።

ኢየሱስ ዝተወልደሉ በዓቲ ቤተ ልሔም ከይተገልጸ ኣብ መጀመርያ እዚ ንዓና ዝብል ንዓይኒ ሰብ ስውር እዩ ነይሩ፣ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ከምዝትርኾ ኣብቲ በዓቲ ምስ ኢየሱስ ማርያምን ዮሴፍን ጓሶትን ከምዝነበሩ ይገልጽ፣ ኣብ ልደት ኢይሱስ ዝበርሀ ብርሃን ብለይቲ ነዲዱ ብርሃን ከም ዚህብ ሓዊ ኢዩ፣ እቲ ኣከባቢ ኩሉ ጸልሚቱ እንከሎ ካብቲ በዓቲ ሓቀኛ ብርሃን ኣንጸባሪቁ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ከም ዝብሎ “ንሰብ ኩሉ ብርሃን ዚህብ ሓቀኛ ብርሃን ኢዩ”። እግዚኣብሔር ነዚ ኹሉ ከምቲ ወትሩ ኣብ ታሪኽ ድሕነትና ዝገብሮ ብስውር እዩ ፈጺምዎ፣ ሰፊሕ ቦታታት ብብርሃን ከብርህ እግዚአብሔር ንአሽቱ ቀንደላት ምብራህ ደስ ይብሎ፣ ነቲ ብርሃን ኣብ ዝተቀበልዎ አከባቢ ከአ ትሕዝቶ ናይዚ ሓቅን ፍቅርን ይኸውን፣ ልቦም ከፊቶም ብወለንታኦም ነዚ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ብርሃን እዚ ንዝተቀበልዎ ባዕሎም ምንጪ ብርሃን ብምዃን ካብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ሓቅን ፍቅርን ከም ኣኽሊል ይኽልሎም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ እውን ከምኡ እዩ፣ ጉዕዞኣ ብትሑት በዓቲ ቤተልሔም እያ ዝጀመረቶ፣ ድሕሪ ብዙህ ዘመናት ናይ ደቂ ሰብ ዓይኒ ብርሃን ኮይና።

ሎሚ እውን እግዚአብሔር ናይ ድኅነትን ነጻነትን ምልክትን ሓቅን ንምርአይ ንዝኽእሉ ደቂ ሰባት ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም እናጸውዔ ኣብዚ ጸልማት ዓለም እዚ በቲ ሓዊ ብምብራህ ነዛ ንአና/ንሕና ዝበልናያ ብክርስቶስ እትአምን ቤተ ክርስትያን ንኩሎም ደቂ ሰባት እናእስፋሓ እዩ።

ፍቅሪ እግዚአብሔር ዚቅበል ንሕና ኣብ ዘለዎ ኣብ ጽንኩር ጊዝያት እውን ይኹን ብርሃን ክርስቶስ የንጸባርቅ። ቤተ ክርስትያን ከም ድንግል ማርያም ነቲ ንርእሳ ከም ህያብ ዝተቀበለቶ ንደቂ አዳም ካብ ባርነት ሓጢእት ሓራ ከውጽእ ንዝመጸ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ንዓለም ተወፊ፣ ከምኡ ሓይላ እቲ ሕጻን ስለዝኾነ ከም ድንግል ማርያም ኣይትፈርሕን። ንገዛእ ርእሳ ኣይትዕቍሮን ብየዋህ ልቢ ንዝደልይዎ ትሑታትን ዝተጐድኡ ወገናት ከምኡ እውን ናይ ዓመጽ ግዳይ ንዝኾኑን ሰላም ንዝጸምኡን ተወፍዮ።

ሎሚ እውን ብናይ ቍጠባ ቅልውላው ዝገደደ ከአ ብሞራላዊ ቅልውላው ከምኡ እውን ብናይ ዘስካሕክሕ ውግአት ንዝተጐድኤ ሥድራቤት ደቂ አዳም፣ ኣብ ምትሕብባር እምንትን ጽንዕትን ዝኾነት እዛ ንሕና እንብላ ቤተ ክርስትያን ምስ ጓሶት ኮይና እምበአር ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ ኣባኡ ተስፋ ክንረክብ ኢና ትብል።” እንክብሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ብዝተኻእለ ኣብ ኩሉ መዳይ ከም ትዋሳእን ትሕግዞን ካብ ማእከላይ ምብራቅ ክሳብ ርሑቅ ምብራቅን አሜሪካን ካብ ኤውሮጳ ኣብ ኩሉ ኣፍሪቃ ከምትሰርሕ ዘርዚሮም።
ኣብ መወዳእታ ንስደኛታት አመልኪቶም “ቤተ ክርስትያን ነቶም ብጥሜት ኣኻእሎ ብምስአን ብናይ ከባቢ ጸገም ዓዶም ገዲፎም ናይ ስደት ግዳይ ንዝኾኑ ኣብ ጎኖም ብምዃን ኩሉ ኪቅበሎም ሓደራ ትብል፣ ቤተ ክርስትያን ወላውን ብስደትን ብወገንነትን ብሸለልትነትን እንተ ተጥቅዔት ንኹሉ ወንጌል ክርስቶስ ትሰብኽ፣ እዚ ኸአ ናይ መምህራን ጐይታኣን ዕጫ ከም ትካፈል ይገብራ ድሕሪ ምባል፣ እተፈቶኹም አኅዋተይን አኃተይን፣ ናይዛ ንኩሉ ክፍቲ ዝኾነት ማኅበር እዚአ ኣባል ምዃን ክንደይ ትዕድልቲ እዩ፣ እዚ ማኅበር እዚ ካብ ከብዱ አማኗኤል እግዚአብሔር ምሳና ናብ ዓለም ዝመጸ ማኅበር ቅድስቲ ሥላሴ እዩ፣ ከምቶም ናይ ቤተ ልሔም ጓሶት ብምግራምን ብምስጋናን ተመሊእና ነዚ ናይ ፍቅርን ብርሃንን ምሥጢር ነስተንትን፥ ንኹልኹም ርሑስ ብዓል ልደት” ቢሎም ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ከምቲ ወትሩ ዚገብርዎ ብ65 ቋንቋታት ዓለም ናይ ርሑስ በዓል ልደት ሠናይ ትምኒቶም ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.