2009-12-27 18:25:39

በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት


ናይ ላቲን ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ ናይ ሊቀ ዲያቆናትን ቀዳማይ ሰማዕትን ዝኾነ ቅዱስ እስጢፋኖስ በዓል ኣኽቢራ ውዒላ፣ ኣብ ዓዲ ጣልያን ሕዝባዊ በዓል እውን ስለዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንምእመናንን ነጋድያንን ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ ብምሃብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር መሪሖም። ዝሃብዎ አስተምህሮ ከስ እዚ ዚኽተል እዩ። “ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን

ካብ’ቲ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ጓሶትን ንኢየሱስ ሕፃን ዝሰገድናሉ በዓቲ ቤተ ልሔም ዝምንጩ ብርሃን ዓሲሉና ኣብ ንርከበሉ ሃዋህው ሎሚ ንቀዳሜ ሰማዕትን ዲያቆንን ዝኾነ ቅዱስ እስጢፋኖስ ንዝክር አሎና። ኣብነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ነቲ ምድኃን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ብኣኡ ዝተገልጸ ሕጻን ምሥጢር ልደቱ ንኽንርዳእ ይሕግዘና፣ ከም’ቲ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ሕይወቱ ከይበቀቀ ንቃል ወንጌሉ ብትብዓት ክምስክር ድሕር ዘይበለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ንሕና እውን ብትብዓት ወንጌሉ ክንምስክር እቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር ሓደራ ይብለና አሎ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ከም መምህሩ ነቶም ዘሳድድዎ እናመሓረ እዩ መይቱ፣ በዚ ኸአ ምምጻእ ወልደ እግዚአብሔር ኣብ’ዚ ምድሪ እዚ ሓዲሽ ሥልጣኔ፣ ብክፍአትን ዓመጽን ዘይጸዓድ፣ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንዘሎ ናይ ፍልልይ መናድቅ ደርሚሱ ኣብ’ታ ዓባይ ሥድራ ቤት ደቂ እግዚአብሔር ከም ኣኅዋት ከም ዝነብሩ ዝገብር ሥልጣኔ ፍቅሪ ከም ዘምጸኤ ይገልጸልና።

ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ዲያቆን ናይ ቤተ ክርስትያን እውን እዩ፣ ብፍቅሪ ክርስቶስ ንድኻታት እናአገልግለ ብቀጻሊ ምሳኡ ብምውህሃድ ክሳብ እቲ ዝዓበየ መሥዋዕትነት ገዛእ ርእሱ በጺሑ። ምስክርነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከም ኩሎም ካልኦት ሰማዕታት ክርስትና፣ ነዚ ዝንጉዕን መዓዝኑ ስሒቱን ዘሎ ናይ ዘመንና ወለዶ ትርጉም ናይ ሕይወቱ ንምርካብ እምነቱ ናብ መን ከንብር ከምዘለዎ ይሕብሮ። ሰማዕት እምበአር ንፍቅሪ ክርስቶስ ምንም ቅድመ ኩነት ከይሓተተ እግዚአብሔር ከምዘፍቅሮ ብርግጽ ብምእማንን ዝበለጸ ክፋል ከምዝሓረየ ብምፍላጥን ዝሥዋዕ እዩ፣ በዚ ኸአ ናይ ሕይወት ዘርኢ ብምዃን ንዓለም መብራህቲ ሰላምን ተስፋን ሂቡ ብምልአት ምስ ናይ ክርስቶስ ሞት ይወሃሃድ።

ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ እስጢፋኖስ ከም ኣብነት ክተቅርብ ከላ፣ ከም ቅዱስ እስቲጢፋኖስ ንድኻታት ምቅባልን ምፍቃርን ሓደ ካብቶም ምሩጻት መንገድታት ብቃል ወንጌል ምንባርን ንመንግሥቲ ኣምላኽ ብጭቡጥ መንገዲ ንደቂ ሰባት ምስባኽን ከምዝኾነ ተመልክት።

በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ነቶም ኣብ ዝተፈለለዩ ኵርናዓት ዓለም ብምኽንያት ሃይማኖቶም ዝስደዱን ዝሳቀዩን ኣብ ብርቱዕ ፈተና ዝርከቡን ምእመናን ክንዝክር ይዕድመና፣ ብጸሎት ክንሕግዞም ቍርጺ ፍቃድ እንዳገበርና ናብ ቅዱስ እስጢፋኖስ ነማዕቍቦም። ነቲ ኣብ’ዚ መዓልታት እዚ ብትሕትናን በየዋህነትን ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ክርስቶስ ዓንዲ ማእከል ሕይወትና ብምግባር ኣብ ጸዋዕታ ክርስትናና ከይንጐድል ንጠንቀቅ። ነዚ ንኽተማልደላና ንአደ መድኃንን ንግሥተ ሰማዕታትን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንለምን” ብምባል ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር አዕሪጎም።

ቅዱስነቶም ደሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ብካልእ ቋንቋታት ኤውሮጳ ነዚ ኣስተምህሮ ደጊሞም ንዅሎም አመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ለጊሶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.