2009-12-27 18:38:44

ሰንበት ዘብርሃን 2002 ዓ.ም


መዝሙር፡ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት . . . . . . ።ንባባት ሮሜ 13፡11~ፍ፤ 1ዮሓ 1፡1~፤ ግ.ሓ.26፡12~19፤ ዮሓ 1፡1~19

ስብከት፡ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ እማንቱ ይምረሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ። “ ኦ ጎይታ ናብ ደብረ ምቕደስካን አባይትኻን ክመርሓኒ ብርሃንካን ጽድቅኻን ልአኸለይ”።

ካልእይ ሰንበት ዘምጽአት ዘብርሃን ይብሃል። ክርስቶስ ብርሃን ዓለም እዩ። አብ ዮሓ 8፡12 “አነ ብርሃን ዓለም እየ” ይብለና። መዝሙር ናይ ሎሚ ሰንበት ከምዝገልጾ “ንሱ አብዚ ዓለም ዝመጸእ ብርሃን ምዃኑ ነብያት ተነበዩሉ። ወልድ ንጽዮን ቃል ታሕጓስ ኬስምዓ ከም ዝመጽእ ቀደም ብኦሪት ተነግረ። እንደገና ከአ ብአፍ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ ተብህለ። ንሱ ንጻድቃን ዜብርህ ናብ ዓለም ዝመጸ ብርሃን እዩ፥ ንዝጠፍኤ ኪረድእ ንዝተበተኑ ክእክብ ንቤተክርስትያን መርዓዊአ ኮይኑ ናብአ መጸ።” እናበለ ናይ ክርስቶስ እንታይነትን አብ ሕይወትና ዘምጽኦ በረኸትን ይግልጸልና።

ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ አባና ዘሎ ግብረ ጽለመት ኩሉ ደርቢና ዋልታ ጽድቂ ንትአንገብ (ንልበስ)፥ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም መጺኡ እዩ’ሞ ንዑ ብብርሃኑ ንመላለስ” ይብል። ምስ ክርስቶስ ምዃን ናብኡ ምቕራብ አብ ብርሃን ምንባር ምዃኑ ይገልጽ።

አብ ሕይወትና ብርሃን እንታይ ከምዝጠቅም ምሕባር ዘድልዮ አይመስለን ንብርሃን ብዝያዳ ዘስተማቕሩ ዳርጋ ክርእይዎ ዝተዓደሉ ዘይኮኑስ ዘይተዓደሉ እዮም እንተበልና ምግናን አይኮነነ። ዕዉራት ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም ክርዩ ይሓትዎ ከም ዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። (ዮሓ 9 )። ብርሃን ዓይኒ ዘይተዓደለ ክንደይ ከምዝጽገም ንርኢ እቲ ዝዓበየ ዑረት ግን ዑረት ልቢ እዩ። እዚ ግዜ ዘሎናዮ አብ ብርሃን ክንአቱ ንልብና አዕዊርዎ ዘሎ ክንቅንጥጥ እሞ አብ ሓቀኛ ብርሃን ክንአቱ ዝሕግዘነ እዩ።

ሎሚ ተሳተፍቲ ብርሃን ክርስቶስ ክንከውን ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ ነዚ እና ኸአ ብዝያዳ ክንብገሰሉ ዝግብአና።

፩ ~ ክርስትያናዊ እምነትናን አብኡ ዘሎና ተሳትፎ ክነሓድስ። ምሕዳስ እምነት አድላዪ እዩ። እምነት ይአርግ፥ ይደክም፥ ይድስክል፥ ይዝሕል፥ ይጠፍእ እውን። ሕይወትናን ሕይወት ከማና ዝአመሰሉ እንተ ረአና ዝአረገ እምነት ሒዝና እንጉዓዝ ብዙሓት ኢና። ሎሚ እዋን እዩ ክነሓድሶ። ብእምነት ንዘእርጉና ነገራት ክንረባረቦም። ሰይጣን፥ ዓለም፥ ሥጋ፥ ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና ካብ አምላኽና ዝምንዝዑና ዛሕሊ መንፈስን እምነትን ዘእትዉልና እዮም እሞ ንበራበር ዓይንና ከምዝርኢ ንግበሮ።

፪ ~ ሓደ ካብቲ ደቂ ብርሃን ዝገብረና ዘራእቲ ፍቕሪ ክንከውን ከሎና እዩ። አብዚ እዋን መለለይና እንታይ እዩ፥ ብምንታይ ንፍለጥ ብዝያዳ አብዛ ቁምስና እዚአ አሎና። ሰብ ሎሚ አቦ ጸልማት ዝኾነ ሰይጣን ዝተዓወተሉ እዩ ዝመስል። ንጽልኢ ንቅርሕንቲ ንምፍልላይ ንምሕማይ ንኻልእ ምጉዳእ ናተይ ኢሉ ዝተተሓሓዞ እዩ ዝመስል ነዚ መንሽሮ እዚ ሕክምና እንረኽበሉ ንርእሲ ብርሃን ክርስቶስ አብ ልብና ክአቱ ክነፍቅደሉ እንከሎና እዩ።

አብ መአዲ ፍቕሪ ክንሳተፍ መጀመርታ እንሓድግ ክንከውን አሎና። ንአምላኽ ፍቕሪ እዩ እንብሎ ሓዳግ ስለ ዝኾነ እዩ ጽልኢ አብኡ የለን። አምላኽ ክጸልእ አይክእልን እዩ። አርድእተይ እንተኾንኩም ተፋቐሩ ይብለና። ፍቕሪ አበይ ንርኽባ አበይ እዩ ዓዳ፥ ክንረኽባ እንታይ ንግበር? ኩልና ተዓጊበ ንብል ኮና።

ሀ. ብበደልካ ምእማን የድሊ። ንርእስኻ ርኢኻ አብ ውሽጢ ሕልናኻ አቲኻ ንአእምሮኻ ተዛረቦ ተዋሳእ ፍረዶ ሽዑ ናብ ሓውኻ?ሓፍትኻ ጠምት እሞ ብርሃን ፍቕሪ ክትርኢ ኢኻ።

ለ. ንሓወይ ሓፍተይ ብዓይኒ ክርስቶስ ርእየ ክኽእል አሎኒ። ንሕና አባልት ሰውነት ክርስቶስ ኢና ብአኡ ዝደሓና ህንጻቤቱ ኢና። አብኡ ገጽና አብ ጉዕዞ አሎና ስለዚ ንጉዕዞና ንበይንና ከይንገብሮ ክንጥንቐቕ አሎና ገለ ምሳና አለዉ እናበልናዮም ዝተርፉ ከይህልዉና። ክርስትናና ንኹልና አብ መእዲ ሕውነት ክርከብ ከሎ እዩ መቐረት ዝህልዎ። ሰይጣን ንዝተዓወተሉ ሓውና/ሓፍትና አብ ብርሃን ክርስቶስ ክአቱ ንምርሓዮ።

፫ ~ ሕይወትና ብጸሎት ዝተመርሔ ክኸውን ይግባእ። ጸሎት ብኽልተ መልክዕ ክርኤ ይክአል፥ (1) ጸሎት ምድጋም እዚ ዝኾነ ዝኽእሎ እዩ ሰይጣን ከይተረፈ ጸሎት ክደግም ይኽእል እዩ። አፍና ምስ አምላኽ ልብና ቀልብና ግን አብ ካልእ። እትብሎን እትሓስቦን በበይኑ ክኸውን እንከሎ። (2) ልባዊ ጸሎት ኩሉ ኩነታትካ ንአምላኽ ሂብካ ምኽአል። ጎ.ኢ.ክ ነዚ እዩ ይገብር ነሩ ምስ ሰማይዊ አብኡ ኩሉ ጊዜ ይራኸብ ነሩ። አብ ሓቀኛ ጸሎት ዝተጸምደ ሰብ ሕጉስ እዩ አብኡ ንአምላኽ ስለ ዝረክብ። ምስ መን ከምዘሎ ፈሊጡ ኩልንትናኡ ብአምላኽ ይውረስ። ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ጸልዩ ይብለና እና ክጥዕመካ አይኮነን ዝብለና። ጸሎት ንጽሕና የድልዮ ካልእ መንፈስ ዘልኦ ልቢ ክጽሊ አይክእልን እዩ ክትጽሊ ብአምላኽ ክትብሓት አሎካ።

ቤተክርስትያን ምእንቲ ክንጥቀም ከይንዝንግዕ ኢላ ጊዜ ጸሎት ሰሪዓትልና ሰንበትን ብዓላትን ብግድን ጸልዩ ትብለና እቲ ዝዓበየ ጽሎት ቅዳሴ እዩ ምኽንያቱ አብኡ መስዋዕቲ ክርስቶስ ስለ ዝድገመልና።

ምእንትመን ክንጽሊ ይግብአና። ምእንቲ ርእስና፥ ፍቕሪ ከብዝሓልና፥ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ተኻፍል ብርሃን ክርስቶስ ክገብረልና ጽቡቕን ክፉእን ፍሊና ምእንቲ ክንክእል።

፬ ~ አብ ብርሃን ክነብር ክርስትያናዊ ሓልፍነት ክስምዓና ይግባእ። ሓልፍነት ዝስምዖ ክርስትያን ንትምህርቲ ወንጌል አብ ካልእ ከምሓላልፍ አይጽግሞን እዩ። ብፍላይ ወለዲ ኩሉ ጸቡቕ ዘበለ አብ ደቅና አብ ነአሽቱ ክነመሓላልፍ መዝነት አሎና። ሓውና/ሓፍትና ካብ ማሕበር ክርስቶስ ከይርሕቁ ክንጓሲ ሓላፍነት አሎና።

ሰንበት ዘብርሃን እምብአር አብቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ብርሃን መድሓኒ ክንሳተፍ ኩሉ ንብርሃን ዝጻረር አርሒቕና አብ ጎደና ሓቅነ ሰላምን ክንምርሽ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ብርሃን ክነመሓላልፍ ብርሃን ንዝሰአኑ ተኻፈልቲ ብርሃን ክንገብሮም ። ከምቲ ስብከት ናይ ሎሚ ዝብሎ ኦጎይታ ብርሃንካን ጽድቕኻን ስደደልና አብ ቤትካ ክንነብር ምሳኽ ኮና ሓጎስ ፍቕሪ ሰላም ክነስተማቕር እናበልና ብልብና ንለምኖ።

አደ ብርሃን ዝኾነት ወላዲተ አምላኽ አብ ማሕጸና ንምንጪ ብርሃን ወዳ ብዝይዳ ዘስተማቐርት ሎሚ እውን ንአና አብዚ ጸበባ፥ ስእነት ሰላም፥ ስደት፥ ውግእ፥ ቅርሕንቲ ዝዓብለሎ ዓለምና ብልመናአ ክትቅይረልና ንለምና። አብ ማሕጸና ጸራ ንኤልሳቤጥን ዘካርያስን ምልአት ሓጎስ ዘካፈለት ማርያም ሎሚ እውን ንወዳ አብ መንጎና አሕዲራ ኩሉ ድለታትና ትፈጽመልና።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.