2009-12-26 18:36:32

መስዋዕተ ቅዳሴ ልደተ እግዚእነ ወ መድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ።


ትማሊ ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን አብ ዝበዝሕ ከፍላተ ዓለም ልደተ መድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቢሩ ከም ዝውዓለ ዝዝከር ኢዩ ።

ቅድሚ ትማሊ ምሸት ብናይ ሮማ ሰዓተ አቁጻጽራ ሰዓት ዓሰርተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ተዓጂቦም አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም። በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ክአ አብቲ መሰውዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም።

ቅድሚ”ቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ምጅማሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት በቶም ምስኦም ዝቅድሱ ካርዲናላት ተሰንዮም ንምእመናን ሰላም ኢሎም ንመንበረ ታቦት ክድይቡ ከሎዉ ሐንቲ ዜጋ ጣልያን ስዊስ ናብኦም ቀሪበን ልብሶም ክሕዛ ስለ ዝተመጣጠራ ሚዝን አጥፊኦም ከም ዝወደቁን ብቅጸብት ከም ዝተንስኡን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጸገም ነቲ መስውዕተ ቅዳሴ ከም ዝመርሕዎን ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አረዲኦም።

አብቲ ምድፍፋእ ካብቶም ለባስያን ካርዲናልት ሕደ ብፅUኦ ካርዲናል ሮጀር ኤቸገራይ ኮምሶም ስለ ዝተጐድኡ አብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ግተዓቂቦም ከም ዘለዉ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ገሊጾም ።

እተን ሱዛና ማዮሎ ዝተባህላ ሰብ ናይ አእምሮ ጸገማ ዘለወን ሰብ ከም ዝኾና ክአ ናይ ቅድስቲ መን በር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መብርሂ ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ግዜ ስብከት ፡ ዝተፈኹም አሕዋተይን አሐተይን ጥዑማት ህዝበ ክርስትያን እንቃዕ ንብርሃነ ልደቱ አብጽሐና ወዲ ሰብ ብዘይ እግዚአብሔር ከንቱ ኢዩ”ሞ ንእግዚአብሔር አምላኽና ነመስግን።

እነሆ ሎሚ ሕጻን ተወሊዱልና ንሱ ክአ ኢየሱስ ሕጻን ኢዩ ፡ ሕጻን ክርስቶስ ምስ ተወልደ ነቢይ ኢስያስ ሎሚ ናይ ምሉእ ዓለም ልደት ኢዩ ዝበሎ ጠቂሶም እናሆ ሎሚ ጸልማት ዝነበረ ብርሃን ኮይኑ ኢዩ”ሞ አብዚ ሐቂ’ ንሕበር ።

ስስዔ አውጊድና አብነት ትሕትና እግዚአብሔር ንከተል መሳርሕታት ሐቅን ፍቅርን ተጠቂምና ህውከትን ዕግርግርን ክነወግድ ይግባእ ኢሎም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም ፡ አብዚ ዓለም”ዚ ሐቅን ፍቅርን እግዚአብሔር ስለዘይዝውተር ደቂ ሰባት አብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጠቅሚ ስለዘድህቡን አብ ናቶም ንእሽቶ ዓለም ስልዘዕጸዉን ግጭትን ህውከትን ይርኤ አሎ ።

ስስዔ ውልቀ ሰባት ይኹን እኩባት ሰባት ጸረ ሐቅን ሰላምን ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ወዲ ሰብ አብ ሕቅን ፍቅርን ተመርኲሱ ንሰላም ሃረር ክብል ረኺቡ ክአ አብ ግብሪ ከውዕሎ ከም ዝግባእ አረዲኦም ።

ንሰላምን ንፍትሕን ርትዕን ዝጻረሩ ነገራት ተወጊዶም ብአምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር ከም ዝግባእ ዘመልከቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶ ሰብ ኩሉ ነገር ረኺቡ ሰላም እንተሰአነ ከሲሩ ድአምበር አይከሰበን ምኽንያቱ ክአ ስለዘይቀስን ።

ርሕሩሕ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔረ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሰብ ከቢድ ሐጢአት እኳ እንተፈጸመ ርሕሩሕ ስለዝኾነ ምሒርዎ ድአምበር አይጨከነሉን ።

ንፍጹም ድሕነት ሰብ ክአ ወዱ መድኀኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ድአ ልአኸሉ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መራሕን ተካኢ መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ወዲ ሰብ ካብ ዝፈጠሮን ካብ ዘፍቅሮን እግዚአብሔር ርሒቁ ንዕኡ ረሲዑ ብናይ ዓለም ንዋት ተታሊሉ ክነብር አይግባእን ። ድሐር ብግዜ ሞት ተመሊሱ ናብቲ ዝፈጠሮ ምምላሱ ክዝንግዕ እይግብኦን ኢሎም።

ስብ ከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዊህን መሳጥን ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ፡ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ዘኪሮም ፡ ክርስቶስ ምስተወልደ ጓሶት ቀልጢፎም ክርእይዎ ከም ዝተሀወኹ ቃለ ወንጌል ቅዱስ ልቃስ ጠቂሶም ንክርስቶስ በመንፈስ ክንርእዮ ክንህወኽ አለና ኢሎም።

ዝተፈኹም አሐተይን አሕዋተይን ቅዱሳን መጽሐፍቲ ንእግዚአብሄር ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቀዳምነት ክውሀቦ አለዎ ከም ዝበሉ ዘንጊዕና አብ ዕለታዊ ናብራና ድሕሪ ኹሉ ክንሰርዖ የብልናን ምስኡ ብኡ ክነብር ይህባእ ኢሎም።

ንእግዚአብሔርን ምስ እግዚአብሔርን ነጥፍኦ ግዜ ከንቱ አይኮነን እቲ ግዜ ዝሀበኒ ባዕሉ ንሱ ስለ ዝኾነ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ከም ንደልዮ እንተፈሊጡ ዝነውሔ መንገዲ መጺኡ ባዕሉ ከም ዝቅበለና ክንርዳእ የድሊ ኢሎም።

ከሀሌ ኩሉ እግዝአብሔር ንዑ ቅረቡ”ሞ ከም ዝፈትወኩምን ዝሐልየልኩምን ክትፈልጡ ኢኹም ኢዩ ዝብለና ግዜ የብልናን ክንብሎ ከቶ እይግባን ፡ እምብአር ከስ ሎሚ ለይቲ ምእንቲ ድሕነት ሰብ ቃል ስጋ ኮነ ልደተ ክርስቶስ ኢዩሞ ብርሃን ኢዩ ጸጋ ኢዩ ኢሎም።

ምእንቲ ዘርኢ ሰብ ባዕሉ እግዚአብሔር ፡ ሕጻን ኮይኑ ፍጹም አም ላኽ ከሎ ድኹምን ጥሑትን ከይኑ አብዚ አለኹ ይብለና አሎ ክንቀርቦ ክነፍቅሮ ክንሰግደሉ ከነመስግኖ ኢይ ዝግባእ ጥዑማት ህዝበ ክርስትያን ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዕኡ ክንመስል ክንጽዕር ክንደክም አለና ኢሎም።

ጽኑዕ ከም ከውሒ ዝኾነ ልቢ ፡ ንእግዚአብሔር ከፍቅር አይኽእልን ስለዚ ልብና ቅዱው ፍትሐዊ ክኸውን ይግብእ ስለዚ ነዚ ሕጻን ኮይኑ ዝመጹ ወልደ እግዚአብሔር ልብና ከፊትና ብንቅሐት ንቀበሎ ብማለትን አብ አፍሪቃ ማእከላይ ምብራቅ አብ ዒራቅ ክአ ሰላም ክኸውን አጽኒዖም ብምትሕስሳብን ስብከቶም ዛዚሞም።

 







All the contents on this site are copyrighted ©.