2009-12-19 15:09:17

ሰንበት ዘስብከት 2002 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ. . . . ። ንባባት፡ፍሊጲስዩስ 4፡4~7፤ 3፡14~18፤ ግ.ሓ.3፡17~ፍ ሉቃስ 3፡1~18

እንታይ ንግበር፡ እንታይ ኤግበር?

ልቡ፥ሕይወቱ ንኻልእ ዝሃበ ዝሓቶ ሕቶ እዩ። ነቲ ዝሰምዖ ዝርአዮ ስለ ዝአመኖ አብቲ ዝንገሮ ዘሎ ክሕወስ ወይ ከምቲ ዝብሃሎ ዘሎ ክኸውን ምእንቲ እንታይ እግበር ከማኻ ነዚ እትብሎ ክገብር ይብሎ። ሎሚ ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ሰማዕና እንታይ ንግበር ከም ቁምስና፥ እንታይ እገበር አነ ከም አነ መጠን እናበልና እንሓቶ ሰንበት እዩ። ልደት ቅድሚ ምብዓልና ለውጢ አድልዩ አሎ። ነፍስወከፍና ንስሓን ሕደገት ሓጢአትን ሓቲትና ንመድሓኒ ዝውለደሉ ባይታ ክነጠጥሓሉ። ሎሚ ልብና ቤተልሔም ክትከውን ስድራና ስድራ ዮሴፍን ማርያምን ክትከውን ብኹሉ ናትካ ኮይነ አሎኹ አብ ልበይ ተወልድ ክንብል።

ዘመነ ምጽአት ናይ ንስሓ ጊዜ እዩ። ኩልና ብጾም ብጸሎት ብምጽዋት ንልደት መድሓኒና ብግልና ብሓባርን ክንሰናደወሉ እንዕደመሉ ጊዜ እዩ። ተነሲሕና ተሓዲስና ክንርከብ ዝጽውዕ ጊዜ። ነብይ ሶፎንያስ “ ብሓጎስ እልል በሊ፥ ብኹሉ ልብኺ ተሓጊሲ፥ ባህ ይበልኪ” ከመይ እግዚአቢሔር ንመቕጻዕትኹም ኣርሓቖ. . . እግዚአቢሔር አብ ማእከልኩም አሎ. . .” እናበለ ንከተማ ኢየሩሳሌም ዝበሎ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ንምሕዳስን ንሓጎስን ስንድዋት ክንከውን ይነግር ከመይ ምድሓኒ ይመጽእ አሎ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጲስዩስ “ብጎይታ ኹሉ ሳዕ ተሓጎሱ፤ ደጊም ተሓጎሱ፥ ደጊመ ዝብለኩም ተሓጎሱ አነ ሓጎስኩም እየ ዝደሊ” እናበለ ምስ ጎይታ ክንራኸብ ከሎና ዝፈጥረልና ሓጎስ ሰላም ርግአትይ ይገልጽ።

ሓጎስ መሰረታዊ ኩነታት ክርስትያን ክኸውን አለዎ። እዚ ኸአ ግዳማዊ ወይ ንቀለዓለም ዘይኮነ ካብቲ አብ ሕይወት ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ዝመንጨወ ክኸውን አለዎ። ሓጎስ ናይ ነፍስወከፍ ክርስትያን አብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዘርእዮ ኽኸውን ይግባእ እንትኾነ ገለ ሰባት አለዉ ነዚ አብ ሕይወቶም ከርእይዎ ዘይክእሉ። ሓጎስ ዘይተዕደሎ ሰብ ክንደይ ዘሕዝን እዩ። ንኹሉ ቀትሪ እንከሎ ንአኻ ክጽልምተካ እንከሎ ንኹሉ ቀትሪ እንከሎ ንአኻ ለይቲ ክኸውን እንከሎ ናይ ብሓቂ ከቢድ እዩ። አብ ገለ ሰባት ክንርእዮ ንኽእል ገልእዋን ትርጉሙ ይጠፍአና የድሕነና ዘብል እዩ። ልደት ነዚ ኩነት ክልውጥ እዩ ዝሕግዘና ከመይ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ህያብና እዩ። ንሓዘን ንስቓይ ንኹሉ አብ ሓጎስ ዝልውጥ። አብ መዓልቲ ልደቱ መላእኽቲ ነዚ እዮም አበሲሮም።

ገለ ሰባት ካብ ናይ ብዙሓት ክርስትያን ሕይወት ብምዕዛብ ሃይማኖት ሸቐጥ እዩ ይብሉ ምኽንያቱ ሓደ እንተ ዘይተሳቐየ ንገለ ነገራት አብ ሕይወቱ ንዘይ ክርስትያን ምቾት ዝፈጥር እንተ ዘይሓደገ ክርስትያናዊ ሕይወት አይነብርን እዩ ዝብል ስለ ዝኾነ። ከም አበሃህልኦም ክርስትያን ዝብሃል ፍርቂ ሕይወት ዝነብር እዩ፥እዚ ከአ ንዝበለጸ ሕይወት ክነብር ኢሉ ዝገብሮ እዩ። ካርል ማርክስ ንሃይማኖት ንድኻታት ሓሹሹ ናይ ህዝቢ ይብሎ፥ ሃይማኖት ብሃብታማት ንድኻታት ምእንቲ ክገዝኡ ዝፈጠርዎ እዩ። ድኻታት ነቲ ዝነብርዎ ድኽነት ምእንቲ ክቕበልዎ ዝተፈጥረ እዩ። በዚ አብዚ ዓለም ዝፍጠር ኩሉ ሕማቕ ንኸይቛወሙ ብሃብታማት ዝተፈጥረ እዩ ይብል።

እዚ ኹሉ የሕዝን ምኽንያቱ ናይ ኢየሱስ ምምጻእ ነጻነት፥ ሓጎስ፥ ሰላም ንሰባት ከምጽእ መጺኡ፥እዚ ኸአ ንመጻኢ ጥራሕ ዘይኮነ ንሎሚ ንሕጂእውንዩ። አብዚ ዓለም ካብ ሓደ እሙን ተኸታል ክርስቶስ ንላዕሊ ነጻ ዝነብር የሎን። ክርስትያን ብሓጎስን ደስታን እዩ ዝነብር። ካቶሊካውነተይ ብዝርኤ ንግዳማዊ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ እንታይ ድአ ክነብሮ አሎኒ፥ አነ ካቶሊካዊ እየ ምኽንያቱ አነ ካልእ ክኸውን ክሓስብ አይክእልን እየ። ከምቲ ቅ.ጴጥሮስ ዝበሎ አበይ እሞ ክንከይድ ንስኻ ሕይወት ዝህብ ቃል አሎካ ዝበሎ እዩ።

አበሃህላ አሎ “ሕዙን ቅዱስ ኩሉ ጊዜ ሕዙን ቅድስና እዩ ዝነብር” ጉሁይ ክርስትያን ንርእሱ አብ ዝገራጮ ሕይወት ዝነብር እዩ። እዚ ክብሃል እንከሎ አብ ሕይወት ስቓይ፥ ሕማም፥ ድኽመት፥ ዘይምዕዋት፥አሎ። ምጉሃይ አብ ሕይወት ዘሎ እዩ ግን ነባሪ አይኮነነ። አብ ሕይወት ዝጓነፈና ነገራት ኩሉ ካብ አምላኽ ዝውሃቦ ትርጉም አልኦ። ሓንሳብ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ትርጉም እንተ ፈለጥናዮ ንኹሉ ክንጸውር ወይ ክንርዳእ አየሸግረናን እዩ። ሽዑ አብ ሰላም ክመልሰና እዩ ወላ ከቢድ እንተኾነ። ውሽጣዊ ሓጎስን ሰላምን ክስምዓና እዩ።

ናይ ክርስትያን ሓጎስ ወይ ደስታ አብ ውሽጢ አብ ልቢ እዩ፥ እዚ ምስ ግዳማዊን ስምዒታውን ቃንዛ ወይ ዝኾነ ግዳማዊ ኩነታት አይገራጮን እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ እቲ ዝውሃበና ሓጎስ ሓደ ክወስዶ ዘይክእል ሓጎስ እዩ። አብ ክርስትያናዊ ሓጎስ ኩሉ ከሓጉስ ዝኽእል ነገር አሎ።

ወንጌል ናይ ሎሚ ብዛዕባ እቲ እንጽበዮ ናይ ኢየሱስ ምጽአት ይናገር። እዚ ምምጻእ እዚ ብዮውሓንስ ብማይ ብምጥማቕ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሰቢኹ። ዮሓንስ ዝብሎ ምስ ሰምዑ ኩሎም አብኡ ዝነበሩ እንታይ ንግበር እሞ? እናበሉ ትርጉም ዘለዎ ሕቶ ሓቲቶም። ሎሚ ነፍሲ ወከፍና አብዚ አብ ልደት እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ክንሓቶ ዝግብአና እዩ። ንስሓ ንምጥዓስ አብ ዝሓለፈ ዘይኮነ ንተሓድሶ አብ ጠባያትና ይጽውዕ።

ሉቃስ ሰለስተ ዓይነት ህዝቢ ንዮሓንስ ይሰምዑ ከምዝነበሩ ይነግረና ንሳቶም ከአ፥ ሓፋሽ ህዝቢ፥ መኽፈልቲ ቐረጽን ወተሃደራትን። ንነፍስወከፎም ከከምሕይወቶም መልሲ ይህቦም። ነቶም ሓፋሽ፥ ነቲ ዘልኦም ምስ ካልኦት ክካፈልዎ ይነግሮም፥ማለት ክዳኖም፥ መግቦም ምስቶም ጽጉማት ክካፈልዎ ይነግሮም፥ ብሓቂ ብሓጢአቶም ተጣዒሶም እንተኾኑ ንሱ እዩ ቲ መንገዲ፥ ሕይወቶም ክቕይሩ ንኻልኦት አሕዋትን አሓትን ክኾኑ አልኦም። ወላ ንዘይፈልጥዎም ብሓደ መንፈስ ክርእይዎም ይግባእ። ሎሚ ነፍሰወከፍና እንታይ ምስ ሓውና ሓፍትና ክንካፈል ከምንኽእል ክንሓስብ ንኽእል።

አኽፈልቲ ቐረጽ አብ ጊዜ ኢየሱስ ሕማቕ ታሪኽ ነርዎም ሮማውያን ካብ መንጎ ደቂ ዓዲ መዋጽእቲ ቐረጽ ነሮሞም እዚኦም እዮም ነዚ ዝገብሩ ዝነበሩ። ካብቲ ዘኸፍልዎ ዝነበሩ መኽሰብ ነርዎም አብዚ ዓምጽ ይካየድ ነሩ፥ ዮውሓንስ እቲ ግብኦም ክወስዱ ይነግሮም። ወተሃደራት ይፍተዉ አይነበሩን ዮውሓንስ ከአ ንሓደ አይትግፍዑ ብሓሶት እውን አይትኽሰሱ፥ ደሞዝኩም ይአኽለኩም ይብሎም ነበረ።

ነዚ ሰናይን ትርጉም ዘልኦ ዘረባ ምስ ሰምዑ ዮውሓንስ እቲ ዝጸበይዎ መስሕ ይኸውን ኢሎም ሓሰቡ። ምኽንያቱ በቲ እዋን መስሕ አብ ቀረባ እዋን ከም ዝመጽእ ትጽቢት ነሩ። ዮውሓንስ ግን ቀልጢፉ ንሱ እቲ ክመጽእ ዘለዎ መስሕ መድሓኒ ንጉሥ ከም ዘይኮነ ገሊጽሎም። እቲ ሓቀኛ መስሕ ካባይ አዝዩ ይዓቢ አነ አስራኽ አሳእኑ እውን ክፈትሕ (ናይ ባርያ ስራሕ ንጎይትኡ) ዘይበቅዕ እየ እናበለ መንነቱ ገሊጽሎም። ዮሓንስ ብማይ እዩ አጠሚቑ መስሕ ግን ብመንፈስ ቅዱስን ሓውን እዩ ዘጠምቐኩም ኢልዎም። እዚ ሓዊ ነቲ ጽቡቕ የጽርዮ ነቲ ሕማቅ ከአ የጥፍኦ የንድዶ። እዚ ምልክት ናይ እግዚአብሔር ሓይልን ፍቕሩን ሓልዮቱን ዝገልጽ እዩ። (አብዚ ነደ እሳት ንእስራኤላውያን አብ እዋን ለይቲ አብ በረኻ ዘብርሃሎም ዝነበረ ክንዝክር ንኽእል፥ ንሓዋርያት ድሕሪ ዕርገት ብልሳን ሓዊ ዝመስል አብ ልዕሊኦም ዝዓለበ ክንዝክር ንኽእል}።

ኩልና ከም ዮውሓንስ እንጻወቶ ተራ አሎና፥ ካህናት፥ ምእመናን፥ ማሕበራት ብሓባር ንህዝቢ አብቲ ሓቀኛ ምምላስ ማለት ምስ ክርስቶስ ገጽ ንገጽ ዝገብሮም ከምኡ አብ ናይ ሓቂ ሕጎስን ደስታን አብ ሕይወቶም ዘምጽእ ከምዝረኽቡ ክንገብር ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።

ወለዲ ብፍላይ አብዚ እትጻውትዎ ተራ አሎ። አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትኩም ንደቅኹም ብክርስትያናዊ መንፈስ ከምዝዓብዩ ክትገብሩ ግቡእኩም እዩ። ክርስትያንዊት ስድራ ብሓቀኛ ሓጎስ እትፈለጥ ክትከውን አለዋ። ኩሎም አባላታ ብአአ ብምሉእ ሓጎስን ትጽቢትን ዝጉዓዙ ክኾኑ ከለዉ ምሉእ ሓጎስ አልኦ።

ኩልና መማህራን ኢና። ክርስትያናዊ መምህር ኩሉ ጊዜ አብ ቅድሚ ተመሃሮኡ ዝምህሮ ዓይነት ትምህርቲ ብዘየገድስ ክርስትያናዊ አገባብ ክለብስ አልኦ። ወለዲ ብፍሉይ ንኹሉ ዝገብርዎ አብ ቅድሚ ደቆም ፍሉይ ምስትውዓል ክገብሩ ይግባእ። ንደቆም ንመጻኢ ዝሕግዞም ፍልጠት እምነት ከቕስምዎም ይግባእ።

ወለዲ፥ መማህራን፥ ሰራሕተኛታት ምዃና ብዘየገድስ ኩልና ናይ አምላኽ መሳርሕቲ ኢና። ኩልና ንሰባት ናብ እግሪ ኢየሱስ ክመጽኡ ክንገብሮም አሎና፥ ንሱ ከም መምህሮም፥መድሕኖም፥ሓዎም ዓርኮም ከምዝርእዮም ምግባሮም። ሓንሳብ ምስ አቕረብናዮም ከም ዮውሓንስ ንኢየሱስ ምሕዳጉ ዝተረፈ ንሱ ክምልኦ እዩ። ግን ናታትና ተሳትፎ ይሓትት እዩ መጋበሪ ድሕነት ክንከውን ይደሊ እዩ። ሰባት ካባና ናብ ኢየሱስ ከምዝሳገሩ ንግበሮም እምበር ካብ ኢየሱስ ናባና አይነሳግሮም። ቀዳሞት አርድእቲ ዮውሓንሳ ካብኡ ናብ ኢየሱስ ተሳጊሮም። ንሳቶም ከአ ካልኦት ናብ ኢየሱስ ከምዝመጹ ገሮም። እዚ እዩ ምንጪ ስብከተ ወንጌል። ወንጌል ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ምግባር። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ሰንበት ዘስብከት ይብሃል፥ ምጀመርያ ንርእስና ምስ ቃሉ ክንወሃሃድ እሞ ነቲ ብነብያት ብሓዋርያት ዝተሰብከ ሎሚ እውን ንሕና ሰብኸቱ ኮና ንዝረሓቝን ንዝጠፍኡን አብ ሕቝፉ ከምዝመጹ ክንገብር ናይ ኩልና ተልእኮ እዩ።

ሎሚ እምብአር አብ ሕጎስ ዝተመስረተ ምቅርራብ ልደት ክንገብር ይሓተና አሎ። ንኹሉ ልብሲ ሓዘን ገዲፍና ልብሲ ሓጎስ ክንለብስ። ሓቀኛ ልብሲ ንልበስ እሞ ትብዓት ወሲድና ንቀየር። ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጲስዩስ ምትሕባባሮም እና አመስገነ ንመዓልቲ ጎይታ አብአ ምልአት ሕይወቶም ዝረኽቡላ ክሰነደዉ ይዕድሞም። ወንጌል ዮውሓንስ መለከት እናወቕዐ ኩሎም ደቂ ሰብ ምዓልቲ ምድሓን ጎይታ ከምዝርእዩ ይነግር ነሩ። ሰለስቲኡ ንባባትና አእዛና ከፊትና ንሓቂ አምላኽ ክንደልያ ይሕግዙና።አብ ሰለስቲኡ አብ ማእከሉ ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ቃላት ንርኢ። ሰባት ንዝበለጸ ክሓስቡን ከስተንትኑን አፍደገ ይኸፍቱ። ሓቦ ለቢስና ንድኹም ሕይወትና ንቐይር አምላኽ ከአ ምሕረቱ ክህበና እዩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.