2009-12-17 14:11:15

ክርስቶስ ምፍላጥ


ኣብ ፖላንድ ዝተወልዱ ካብ 1970 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዞም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብሩ ኣባ ግረጎርይ ፓውሎውስክይ ብቋንቋ እብራይስጥ ናይ ፈለማ ናይ ካቶሊክ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መጽሓፍ ንሕትመት RealAudioMP3 ከምዘብቕዑ ተገሊጹ።

ኣባ ፓቭሎውስኪ ብናይ ናዚ ሥርዓት ዝተቐትሉ ናይ ኣይሁድ እምነት ካብ ዝኽተሉ ስድራ ቤት ዝተወልዱ ከምዝኾኑ ክንገር እንከሎ፣ ካብ 1982 ዓ.ም.ፈ. ንነጀው ኣብ እስራኤል ንዝነብሩን ኣብኡ ንዝውለዱ ካቶሊክ ምእመናንን ንናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ንዝቐበሉን ናይ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት መሠረታዊ ትምህርት ኣብ ምቕራብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተጸሚዶን ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብዚ ሓዋርያዊ ኖልዎ ተመክሮ ተበጊሶም ክርስቶስ ምፍላጥ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃሪት መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔት ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.