2009-12-17 11:06:48

ናይ ሞንተነግሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ቫቲካን በጺሖም.


ናይ ሞንተነግሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚሎ ድዩካኖቪች ቫቲካን ከም ዝበጽሑን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡን መራኸቢ ብዙኀን አፍሊጦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ ሞንተነግሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚሎ ድዩካኖቪችን አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ካቶሊካውያን ሞንተነግራውያን አብ ማኅበራዊ ሕይወት ሞንተነግሮ ዝህብዎ አዎንታዊ አስተዋጽኦን ህሉው ኩነታት ሞንተነግሮን ፡ ዓለም ለኸ ፖሊቲኣዊን ኤኮኖምያውን ኩነታት ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ እቶም መራኸቢ ቫቲካን ብዙኀን አመልኪቶም።

አተሐሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓስርተ ሽዱሽተን ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ሞንተነግሮ ሚሎ ዱይካኖቪችን አብ መንጎ ውሁዳን ካቶሊካውያን ሞንተነግሮን ካልኦት ሃይማኖታትን ዘሎ ርክብ ኩነታት ባልካን ብዚምልከት አልዒሎም ከም ዝተዘራረቡ አገንዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሞንተነግሮ ሚሎ ድዩካኖቪች ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ከምኡ ክአ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት አውራ ተጸዋዒ ምስ ሊቀ ጳጳስ ምስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ከም ዝተራኸቡ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።

!! እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ረፍዲ ንሐደ ክፋል ጳጳሳት ቤሎ ሩስያ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ተነጊሩ።

ናይ ቤሎ ሩስያ ጳጵሳት አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ማለት ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ዝዝከር ኢዩ።

ብድሕሪኦም ናይ ረፓብሊክ ፈዴራል ጀርመን ንነዊሕ ዓመታት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበሩ ንሀንስ ዲትሪሽ ገንሸር ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ድሕር ቀትሪ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስድራ ቤት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጽሐፊ ንብፁዕ አቡነ ጂን ላፊተ ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጽሓፊ ንብፁዕ አቡነ ማርዮ ቶሶ ናይ ከተማ ላኲላ ሐጋዚ ጳጳስ ንብፁዕ አቡነ ጂቫኒ ደ”ርኮለ አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ተነጊሩ።

!!!!! ሎሚ ዓሰርተ ሐሙሽተ ታሕሳስ 2009 ቅድሚ ቀትሪ አብ ቤት ማሕተም ቫቲካን ነቲ ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ዝአቱ ሐዲሽ ዓመት 2010 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንመላእ ዓለም ዘተሐላልፍዎ ዓለም ለኸ መበል አርባዓን ሰለስተን መልእኽተ ሰላም ንመራከቡ ብዙኀን ቀሪቡ ።

ነዚ መልእኽተ ሰላም”ዚ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ሊቀመንበር ዝነበሩ ብብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖን ብናይ ቤት ምኽሪ ዋና ጽሐፊ ብፁዕ አቡነ ማርዮ ቶሶን ከም ዝቀረበ ተፈሊጡ አሎ።

ድሐን የጽንሐና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ን2010 አሰናድዮሞ ዘለዉ ዓለም ለኸ መበል አርባዓን ሰለሰተን መልእኽተ ሰላም አርእስቲ ፡ ሰላም ክተስፍን እንተ ደሊኻ ፍጥረት ዓቅብ ዝብል ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ።

ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አርእስተ ጳጳሳት ወትሩ ባሕቲ ጥሪ ሐዲሽ ዓመት ንዓለም ናይ ሰላም መልእኽቲ ከም ዘተሐላልፉ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.