2009-12-17 11:09:12

ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ጥቀ ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ መንግሥቱ ክፍላት


ጥቀ ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ መንግሥቱ ብ1907 ዓ.ም.ግ. ኣብ ማይዔላ ጽንዓደግለ ተወልዱ። አዲኦም ወይዘሮ ብሩር ይበሃላ ነበራ። መባእታ ትምህርቶም ከም መጀመርታ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣሥመራ ምስ ቤተሰቦም ድሕሪ ጀሚሮም ናብ ገዳም ሰገነይቲ አተው፣ አብ ገዳም ሰገነይቲ 3 ዓመት ዝአክል ቀዳማይ ደረጃ ፈጺሞም ናብ ዘርአ ክህነት ከረን ሓለፉ። አብ ከረን እቲ ዝድለ ትምህርቲ ንአስታት 7 ዓመት ድሕሪ ተኸታቲሎም ብ12 ታሕሣሥ 1932 ዓ.ም.ግ. ብኢድ ብፁዕ አቡነ ኪዳነማርያም ካሳ አብ ከረን መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ከም መፈለምታ ቦዅሪ ሓዋርያዊ ሥራሖም ንሓጺር ጊዜ አብ ከባቢ ከረን መጋርሕን ጀንገረንን ሓዋርያዊ ሥራሖም ፈለሙ።

ድሕሪ’ዚ አብ ማርያም ጽዮን ማይሓራሳት ቍምስናኦም አሐዱ ቢሎም ብወግዒ ጀመሩ፣ ኣብ’ዚ ክልተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን አገልገሉ። ብድሕር’ዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዓገመዳ 6 ወርሒ ዝኸውን ድሕሪ አገልጊሎም ናብ ተኸላቢ ተመዲቦም ሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን አገልገሉ።

ብድሕር’ዚ በቲ ሽዑ ጊዜ ዝነበረ ኩነታትን ጸገማት ቤተክርስትያንን ከምቶም ካልኦት ኣኅዋቶም ካህናት ብብፁዕ አቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ተመዚዞም ናብ ኢትዮጵያ ማለት ናብ ክፍለሃገር ካፋ ቦንጋ ተላኢኾም ን8 ዓመትን 6 ወርሕን ብውፉይ ልብን ብሕጉሥ መንፈስን ምስቲ ሽዑ ጊዜ ዝነበሮም ጉብዝናን መንፈሳዊ ቅንአት ነፍሳት ብእግርን በፍራስን ብለይትን ብቐትርን ኣብ’ቲ ህልም ዝበል ጫካታት ምስቶም ዝናኦም ክሳብ ሎሚ ዘይሃስስ ግርማ ሞገስ ዝለበሱ ቀዳሞት ካህናትና ኮይኖም እናተወናጨፉ አገልገሉ።

ጥቀ ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ ከም ኩላቶም ብጾቶም ካህናት ሓዋርያዊ ኣግልግሎቶም ኣወፍዮም ካብ ኢትዮጵያ ንሃገሮም ምስ ተመልሱ፣ ኣብ ቍምስና ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ ን9 ዓመት አገልገሉ። ኣብዚ ቍምስና’ዚ ኩላቶም ደቂ ዓዲ ክሳብ ሎሚ ታሪኾም ከምዝዝክርዎን ከምዝምስክርዎን ጥቀ ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ አገልግሎቶም ብፍሉይን ወናምን ብዝኾነ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካዪዶምዎ ክበሃል ይከአል። ብሓቂ ጓሳ ነፍሳት፣ አማን በአማን ተኸታሊ ክርስቶስ ኮይኖም ስለዝሠርሑ፣ ብዙሓት ናይ’ቲ ጊዜ’ቲ ደቂ ቍምስናኦም ገሊአቶም ካህናት ገለ ደናግል ገለ ከአ ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር ኮይኖም ይካየዱ ኣለው።

ብድሕሪ’ዚ ጥቀ ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ ካብ ዓዲዜኑ ናብ ቍምስና መድኃኔ ዓለም ኣዅሩር ተቐየሩ። ኣብ ኣዅሩር ን20 ዓመት አገልገሉ፣ ከም’ቲ ኣብ ዓዲዜኑ ዝጀመርዎ ኣገባብ ሓዋርያዊ ሥራሕ ልክዕ ከምኡ ኣብ ኣዅሩር እውን ቀጸልዎ። ነዅሩር ምስ መጹ ዝያዳ ንሓዋርያዊ ሥራሖም መሊሶም ሓይሊ ወሲኾም ባሕርን ዓድን እናተወናጨፉ ኣብ ዓዲ፦ ስያሕን ወዓለታን ክሳብ ሰሰሞትን ሓኒጎሎትን ሩባ ስያሕ ገደን ሩባ ዓሊገደን፣ ኣብ ባሕሪ ከአ መላእ ዓጎምበሳን ሰምሃርን ኮታ ክሳብ ሰርሐን ደርኩምን ዓረብቶን ብወናም ሓዋያርያዊ ጕያኦም ዛዊኖምዎ ኢዮም። ኣብ’ዚ ሓዋርያዊ ሥራሕ’ዚ ክቡር ኣባ ዑቝባእግዚእ ምስ ዓቢይ ዓቢይ፣ ምስ ንእሽቶ ንእሽቶ፣ ምስ ጓሳ ጓሳ፣ ምስ ሓረስታይ ሓረስታይ፣ ኮይኖም ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ብዝነአድ ኣገባብ ፈጺሞም።

ብድሕሪ’ዚ ናብ መንበረ ሊቀ ካህናት ሠገነይቲ ተቐይሮም ከም ቆሞስን ሊቀካህናትን መጋብን ኮይኖም ብተወፋይነት ን13 ዓመትን 4 ወርሕን ምስ’ቲ ዝነበረ ናይ ውግእ ኩነታት ኣብ መንጎ ሕዝቦም ኮይኖም ብዘደንቅ ተወፋይነትን ትዕግሥትን አገልግሎቶም አመስከሩ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ከም ሊቀ ካህናት ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞም እንከለው እውን ከይተረፈ ንባሕርን ዓድን እናተመላለሱ አገልገሉ። ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋናት’ቲ ምስ ብፁዕ አቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ እናተላዘቡ እታ ንኽንደይ ዓመታት ኣስፈሊላ ዝነበረት ቤተ ክርስይትን ማርያም ዓገመዳ ኣስሪሖም ኣመረቁ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ’ቲ ጊዜ ውግእ ግምባራት ተሳጊሮም ኣብ ኣሥመራ ጳጳስን ሕዝቦምን ተፈላልዮም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፣ ጅግና ሓዋርያ ኣባ ዑቝባእግዚእ ብዓድግራትን ዓድዋን ኣቢሎም፣ ምስ ብጾቶም መረብ ተሳጊሮም፣ ጸብጻብ ኩነታት ሕዝቦም ናብ ጳጳሶም ዘብጽሑ፣ ዘድሊ ናይ ካህናቶም ናብራ ምስ አቡኖም ዝዋስኡ እሙን ሓበን ቤተክርስትያኖምን ጽላል ሕዝቦም ኮይኖም ሠሪሖም ኢዮም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ክህነቶም መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ኣክቢሮም። በ’ቲ ጊዜ’ቲ ብውግእ ዝተለከሙ ኣብ ድፋዓትን ገዳምን ዝሞቱ እናቀበሩ፣ ዝቖሰሉ እናሓከሙ፣ ዝፈርሑ እና’ተባብዑ ሓለፍዎ።

ድሕሪ’ዚ እውን ከምብሓዲሽ ናብ ኣዅሩር ወሪዶም ን1 ዓመትን 3 ወርሕን ኣገልገሉ። ካብኡ ናብ ከተማ ደቀምሓረ ተመሊሶም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ን2 ዓመት ኣገልገሉ።

ክቡር አባ ዑቝባእግዚእ ኣብ ኩሉ ዝኸድዎ ቍምስናታት ኣብ ኣተሐሕዛ ቍምስና፣ ኣብ ምስትምሃር ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣተኣላልያ ሥድራቤታት ብሓቂ አማን በአማን ሓዋርያ፣ ሰባኬ ወንጌል፣ ናይ ብሓቂ ጓሳ ነፍሳት አማን በአማን ተኸታሊ ክርስቶስ ነበሩ።

ክቡር አባ ዑቝእግዚእ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ናይ ነፍሳት ጕስነትን ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዕቅብናን ዝኣክል ድሕሪ ኣገልጊሎም፣ ናብ ምሽምጋል ገጾም ስለዝኸዱ ብ1996 ዓ.ም.ፈ. ናብ’ታ ብንእሽቶኦም ከም ተመሃራይ ዘርአክህነት ኮይኖም መጀመርያ ትምህርቶም ዝጀመሩላ ናብ ንኡስ ዘርአክህነት ሰገነይቲ ተመልሱ።

ኣብ’ዚ እውን ምስ በዓል ጥዑም ዜና ክቡር አባ ኣድኃኖም ሥእሉ ኮይኖም ነዚ ኣብ ሰገነይቲ ዝተኸፍተ ንኡስ ዘርአክህነት ከም አበ ነፍስን ተሓጋጋዚ ሓለቓን ኮይኖም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። ኣብ’ዚ ንኡስ ዘርአክህነት’ዚ እውን ብዘደንቅ ትግሃትን ተወፋነትን ምስ ሽማግለ ካህናት ከም ሽማግለ፣ ምስ ነአሽቱ ካህናት ከም ንእሽቶ፣ ምስ ተመሃሮ ከም ኣቦ ብቃሎምን ብግብሮምን ኣዚዩ ሃንጺ ብዝኾነ መንፈሳዊ ሕይወት ን13 ዓመት ቀጸሉ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት 2008-09 ግን ዕድመ እናደፍኡ ምስከዱ ኣካላቶም እውን ምምእዛዝ እናኣበየ ከድ’ሞ ብገዳሞም ብዝግባእ ክእለዩ ድሕሪ ጸኒሖም ናብ ሕክምና እንገላ ከይዶም ዘድሊ ክንክን ተገብረሎም።

ኣብ’ዚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ገዳም ሔቦ ማኅበረ ልኡካን ብፍላይ ከኣ አባ ተክለእግዚእ ባህታ ንክቡር አባ ዑቝባእግዚእ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ብሓቂ ዝምስገንን ኣብነታውን ኢዩ። ከምኡ’ውን ደንግል ካፑቺነ ሰገነይትን እንገላን በቲ መተካእታ ዘይርከቦ ዉሉዳዊ ፍቅሪ ንክቡር አባ ዑቝባእግዚእ ዝገበራሎም ኣገልግሎት ብሓዊ ዚምስገን ኢዩ።

ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ማለት ካብ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንደሓር ግን ክቡር ኣባቴ ናብ ኣሥመራ ንዝለዓለ ሕክምናን ኣገልግሎትን ድሕሪ መጺኦም ኣብ ሰንበል ሆስፒታልን ኣብ ናይ ሽማገለታት መአልዮ ክሊኒክን ኩሉ ዘድሊ ኣገልግሎት ብቤተክርስትያኖምን ብቤተሰቦምን ክግበረሎም ጸኒሑ። ኩሉ ምሥቲራት ቤተ ክርስትያን ተቀቢሎም ሰንበት ዘደብረዘይት ዕለት 13.12.2009 ዓ.ም.ፈ ብዕረፍቲ ጻድቃን ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩ፣ ንጽባሒቱ ሰኑይ ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ሰገነይቲ ሓመደ አዳም ለበሱ።

ሀቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም ወአብርህ ሎቱ ብርሃን ዘለዓለም፣

አባ ተክለብርሃን ጸጋይ








All the contents on this site are copyrighted ©.