2009-12-17 14:09:51

ብዘይ ፍትሒ ሕይወት የሎን


ብቅዱስ ኤጂዲዮ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ብዘይ ፍትሒ ሕይወት የሎን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብርትዊ ሓሳብ ዝተሰነየ ተቓውሞ ዝቃልሓሉ መጽሓፍ ንንባብ RealAudioMP3 ከምዝበቕዔ ተገሊጹ።

ፍትሒ ክብሪ ሰብ ከኽብር ከምዘለዎ ነዚ መጽሓፍ ዝጸሓፉ ናይዚ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ወሃቢ ቃል ማሪዮ ማራዚቲ ትማሊ ኣብ ሚላኖ እታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝቕረበሉ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም፣ እታ መጽሓፍ ኣብ ዓለምና ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ጸረ ሞት ወፈራታት ታሪኻዊ ኣጀማምርኦምን ዘዕተርዎ ውጽኢታትን ብምድሕሳስ ናይ ሞት ፍርዲ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ሓሳብ ኮነ ምኽንያት ጠሩሹ ከምዘየለ ብሰፊሕ እትትንትን መጽሓፍ ምዃና ከምዘረድኡ ተገሊጹ።

ኣብታ መጽሓፍ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ኣብቲ ንሞት ዝተፈረዱ ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝወረዶም ናይ ሞት ፍርዲ ውሳኔ ገቢራዊ ዝኾነሉ ዕለት ዝጽበዩን እቲ ፍርዲ ዝቕበልሉን ንሞት ተመሓሊፎም ዝወሃብሉን ዕለተ ሞቶም ዝፈልጡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ስቃይን ዝነብሩ ዝሃብዎ ምስክርነት ሰፊሩ ከምዘሎ እውን ማራዚቲ ሓቢሮም፣ ብዙሓት እቲ ዝተበየኖም ናይ ሞት ፍርዲ ተቐቢሎም ድሕሪ ምሕላፎም ናይቲ ዝተበየንሉ ገበን ተሓተቲ ከምዘይኮኑን ካብቲ ገበን ናጻ ከምዝነበሩ ናይ ዝተረጋገጸሎም ሰባት ታሪኽ እውን ዘጠቓለለት መጽሓፍ ኢያ ኢሎም።

ማራዚቲ ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም፣ እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ፍጻሜ ናይ ሞት ፍርዲ ንኽቋረጽ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ሃገራት ክኽብርኦ ብሕጊ ዝሕዝ እኳ እንተዘይኮነ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዘሎ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቅድ ውሳኔ ክሕከኽ ከምዘተተባብዔን ነቲ ናይ ጸረ ሞት ፍርዲ ወፈራ እውን ኣድማዒ ውጽኢት ንኽረክብ ከምዝሓገዘ በዚ ኣጋጣሚ ገሊጾም፣ ናይ ሞት ፍርድ መፍትሒ ወይ ድማ ገበን ከይህሉ ዝገብር ውሳኔ ኣይኮነ ኢሎም፣ ሕይወት ዘየኽብር ፍትሒ የሎን፣ ፍትሒን ምኽባር ሕይወትን ተተሓሒዞም ኢዩም ዝኸዱ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.