2009-12-17 14:07:08

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ትሽዓተ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናንን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ከምቲ ልሙድ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ክረጋገጽ እንከሎ፣ “ምስ ክብሪ ፍጥረት ሰብ ዝተኣሳሰረ ናይ ስነ ምግባር ክብርን ነዚ ናይ ምንቕቓሕ ሓላፍነት ዘለዎ RealAudioMP3 ናጽነት ግንዛቤ ምሃብን ምርካብን ኣገዳሲ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብዚ ናይ ረቡዓዊ ኣስተምህሮኦም፣ ኣብ ማእከላይ ዘመን ናይ ዝነበረ ዮሓንስ ዘ ሳሊስበርይ ዝተባህለ ዓቢ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዝሓደግዎ ናይ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ጽሑፋት ብምውካስ፣ ኣብ ዓለምና ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ኩሉ ሓደ ኢዩ፣ ናይ ክብሪ ደረጃ ዝበሃል የሎን፣ ምእማንን ዘይምእማንን ሓደ ኢዩ ቢሉ እምነት ዕሽሽ ዘብል ኩሉ ተዛማዲ ኢዩ ዝብል ክልሰ ሓሳብ ምልካዊ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊጾም። ናይ ሓደ ኅብረተሰብ ሓቀይና ምዕባለ ፍጥረት ሰብ ዘምርቶ ዘይኮነስ፣ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ኣብ ዘለዎ ፍቅሪ ዝተመሥረተ ኢዮ ኢሎም።

ቅድሚ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት ናይ ካራትረስ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካብ 1100 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1180 ዓ.ም.ፈ. ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ዘ ሳሊስበርይ፣ ደቂ ሰባት ዝውጥንዎም ሕግታትን ፖለቲካዊ ተግባርን ኣብቲ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክሕከኽ ዘይግብኦ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረት ዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝበለዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም፣ እዚ ግንዛቤ እዚ ብዙሕ ጊዜ ከምዘይክበር ድማ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ጉድለት ምኽባር ፍጥረት ሰብን፣ ጽንሲ ምንጻንል፣ ጥዑም ሞት ምሃብን ብዛዕባ ስነ ጂን ዝግበሩ ምርምራትን ኣብ ልዕሊ ክብሪ ስድራ ቤት ዝወርድ መጥቃዕትን ዝኣመሰሉ ተግባራት የረጋግጾ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ማኅበራዊ ተግባራትን ፖለቲካን፣ ካብቲ ብዛዕባ ሰብን ክብሪ ሰብን ዝገለጽ ወይ ድማ ዘረጋግጽ ሓባራዊ ሓቂ ክፍለይ የብሉን ምስ በሉ፣ ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ኣተሓሒዞም ከም ኣብነት ዮሓንስ ዘ ሳሊስበርይ “መበቆሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ብኣእምሮ ሰብ ክብጻሕ ዝከኣልን ተፈጻምነት ዘለዎ ተግባርን ማሕበራውን ዘመልኽት ዘይበርስ ሓባራዊ ሓቂ ኣሎ። እዚ ድማ ሰብኣውያን ሕግታትን ፖለቲካውን ሃይማኖታዊ ሥልጣንን ናይ ሓባር ጥቅሚ መታን ከነቓቕሑ ዘብቕዖም ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዝምልከትን ኢዩ” ዝበልዎ ጠቒሶም፣ እዚ ዮሓንስ ሳሊስበርይ ዘቕረቦ ሓሳብ እዋናውነት ዘለዎ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣረዲኦም፣ ቀጺሎም “ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ብሕልፊ ድማ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣብ መንጎ እቲ ምስ ናይ ፍጥረት ሰብ ክብሪ ዝተኣሳሰረ ናይ ስነ ምግባር ክብሪ ከናዲ ዝተኣመተ ውህበት ናይ ሰብ ናይ ምሕሳብን ምስትውዓልን ብቕዓትን እቲ ነዚ ርትዓዊ ሓሳብ ከእንግድን ከነቓቕሕን ዝተውሃበ ናጽነትን ዘሎ ርክብ ይሕከኽ ከምዘሎን ገሊጾም፣ ሎሚ ዮሓንስ ዘ ሳሊስበርይ እንተዝህሉ እቲ ቅዱስ ዝኾነ ሕይወት ሰብ ዝሕልዉ ሕግታትን ጽንሲ ምንጻል ኣይፋል ዝብል ርትዓዊ ድላይን፣ ጥዑም ሞት ምሃብ ዝቃወምን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ተኽሊልን ብስም ዓለማውነት ወይ ድማ ዘይሃይማኖታዊ መንግሥቲ ብዝብል ምስምስ ዘይክበር ምኻኑን ብምግላጽ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ምትሕብባር ከነቓቓሕ ኣለዎ ምበለ ኔሩ ኢሎም።

እቲ ኩሉ ተዛማዲ ኢዩ ዝብል ስነ ሓሳብ ዝኽተሎ ስነ ምግባር ብዝተፈላለዩ ማዕከናት መራኸቢ ቡዙኃን ክንጸባረቕ ይርኤ ከምዘሎን ቅዱስነቶም ገሊጾም፣ መራኸቢ ብዙሃን እናዓበየን እናበዝሔን ክነሱ ገና ጥበብ ዝመሓላለፈሉ ከምዘይኮነን ሓቢሮም መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ሓቅን ጽባቔን እርሙነትን ዝተደረኸ ጥበብ ዘቃልሑ መልእኽትታት ከመሓላልፉ ኣለዎም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኩሎም ነጋድያን ምእመናን ሰላምታኦ ኣቕሪቦም ቡራኬ ሂቦም ከምዘፋነዉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.