2009-12-15 15:21:48

ፍቕሪ ኣብቲ ጥበብ ሕክምና ዘይበጽሖ ይበጽሕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቅዱስ ልቢ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መልእክቲ ኣማእኪሎም ኣብ RealAudioMP3 ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ መላእ ካቶሊካውያን ሓኻይም ማኅበር ወኪል ፕሮፈሶር ፍራንኮ ባልዛረቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ፍቕሪ ኣብቲ ጥበብ ሕክምና ዘይበጽሖ ይበጽሕ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ ኢሎም ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ብመሠረቱ ፍቕሪ ዘማእከለን ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት መሠረት ፍቕሪ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመልክት ከምዝነበረን ኣረዲኦም፣ መድኃኒት ገና ብዘይተረኸበሎም ሕማማት ዝሓመሙን ናይ ሕክምና ጥበብ ብዘየሕውዮ ሕማም ዝተለኽፈ ወይ ድማ ዝሓመመ ሰብ ካብ ዝሳቐ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ውሳኔን ብናይ እቲ ዝሓመመ ሰብ ስድራ ቤት ወይ ድማ በቲ ተስፋ ዝቖረጸ ሕሙም ዝውሰድ ውሳኔ መንቀሊኡ እንነብረሉ ዘሎና ማኅበረሰብ ብጉድለት ሓቀይና ፍቕሪ ዝሳቐ መዃኑን ሕሙም ኣላይን ዘጸናንዕን ስኢኑ ንገዛእ ርእሱ ተጠንጢኑ ምንባር ዘስዕቦ ተስፋ ቁርጸት ከምዘመልክትን እዚ ኩነት ሜላ ኣነባብራ ዝደረኾ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፣ ንሕሙማን ድጋፍን ምትሕብባርን ምጽንናዕን ቀሪብካ ብፍቕሪ ምትብባዕን ንገዛእ ርእሱ ካብ ፍቕሪ ዝምንጭ ናይ ሕክምና ጥበብ ኢዩ ከምዝበሉ ፕሮፈሰር ባልዛረቲ ኣመልኪቶም። ሕሙም ምብጻሕ ዝፈርሕን እንነብረሉ ዘመን ኣብ ሸበድበድ ዝነበር ብምዃኑ፣ ፍጥረት ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝዛረበሉን ጽን ዝብለሉን እዋን ኣልቦ ኮይኑን ንሕሙም ጊዜ ክህብ እውን ተሳኢንዎ ዝነብር ብምዃኑ፣ ብዙሕ ግዜ መፍትሒ ናይቲ መድሃኒት ዘይተረኸበሉ ሕማም ዘየሳቒ ሞት ምሃብ ዝብል ውሳኔ የተባብዕ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቶም፣ ኣረጋውያን ብዘይ ሓዊ ሕማም ዝተለኽፉ ኣባላት ኅብረተሰብን ኣብ ኅብረተሰብን ስድራ ቤትን ዓቢ ክንክን ይገርበረሎም ኔሩ ኢዩ፣ ሎሚ ግን ልክዕ ከም ሓደ መጋበሪያ ምስ ዝበላሸወካ ከምእትድርብዮ ሰብ በዚ እናተመዝነን ኣብ ሕድጋት ተነጺሉ ክነብር ተገይሩ ተረሲዑን ንኅሊና ሕቶ ከይከውን ዝጽዕር ባህሊ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎን ነዚ ኣሉታዊ ባህሊ’ዚ ብፍቕሪ ክንስዕሮ ቅዱስ ኣቦና ከምዘተሓሳሰቡ ፕሮፈሰር ባልዛረቲ ገሊጾም። ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ኅላዌ ኩነት ይሃሉ ካብ ምጽናስን ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ክኽበርን ክፍቐርን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.