2009-12-15 15:27:38

ተፈጥሮ ጸጋ እግዚኣብሔር ኢዩ


ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽርን ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረትን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማኅበርን ካልኦት ናይ ክርስትያን ማኅበራት ግብረ ሰናይ RealAudioMP3 ዘነቓቐሐኦ ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ክንክን ዘተባብዕ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሳተፈ መደብ ጸሎት ከምእተኻየደ ተረጋጊጹ።

ካብ 25 ሃገራት ዘተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፍሳዊ መራሕቲ ብሓባር ኣብ ኮፐን ሃገን ኣብ ዝረከብ ናይ ሉተራን ካቴድራል ብናይ ካንተርበርይ ናይ ኣንጊሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያምስ ዝተመርሔን ናይ ዴንማርክ ንግሥትን ብዙሓት ኣብቲ ኣብ ኮፐን ሃገን ኣብ ናይ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ዝፍነው ዝብክል ጋዝ ንምጉዳልን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ክንክን ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ መንግሥቲ ልኡካን ዝተረኽብሉ መደብ ጸሎት ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያም ኣብቲ መደብ ጸሎት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክንክን ተፈጥሮ ካብ መንፈሳውን ናይ ሃይማኖትን ኃላፍነት ዝነቐለን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመሥረተን ኮይኑ ፍጥረት ሰብ ዝኽተሎ ንተፈጥሮ ንሓደጋ ዘቓልዕ ንርሑቕ ዘይጥምት መደብ ምዕባለ ኣብ ሕቶ ከእቱ ኅሊና ዘነቓቕሕ ኢዩ ኢሎም፣ እግዚኣብሔር ክንነብረሉን ከነመሓድሮን ዝሃበና ተፈጥሮ ከነኽብሮ ኃላፍነት እውን ተዋሂቡና ኢዩ፣ ሃብቲ ተፈጥሮ ብማዕርነት ክባጻሕን ኩሉ ፍጥረት ሰብ ናይዚ ህያብ እግዚኣብሔር ተጠቃሚ ክኸውን ዘብቅዕን ተፈጥሮ ዘኽብርን መደብ ልምዓት ኣገዳሲ ኢዩ ቢሎም፣ ተፈጥሮ ኩሉ ብዘይ ሌላን ጉሌናን ዝነብረላ ጸጋ እግዚኣብሔር እያ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.