2009-12-15 15:25:09

ብሕውነት ዝምዘን ኅብረተሰብ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካርፒ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤሊዮ ቲንቲ እዚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት እንቀራረበሉ ዘሎና ዘመነ ምጽኣት ኣብ ሕውነት ዝተረጋገጸን ሕውነት ሚዛን ዝገበረ ኅብረተሰብ ክቐውም ዘተባብዕ RealAudioMP3 ኢዩ ከምዝበሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ነቲ ሥጋና ለቢሱ ናባና ዝመጽእ ጎይታ ንምቕባል ክንሰናደው እንኮለና ነቲ ዝመጽእ መድኃኒ ዓለም ኣብ ልብና ንምቕባልን ንምእንጋድን ብኣኡ ተለዊጥና ድማ ካበይን መን ምዃኖምን ብዘየገድስ ንዓና ዝመስሉ ሰባት ንኽንቅበል ዝድርኸና ኃይሊ እንቕእበለሉ መቅርራባት ኢዩ።

ኅላዌን መደብ ምድሓን ኣምላኽን ጸጋን ፍቕርን እንቕበለሉ እዋን ክኸውን እንከሎ፣ ዝኾነ ይዅን ሰብ ከም ሓውና እንርእየሉን እንቕበለሉን ፍቕርን ኣቃልንቦን ውዕዉዕ ኣተኩሮ እንህብሉ ኣዋን ኢዩ ኢሎም፣ እቲ ናይ እምነት ኣበውን ቅዱሳት ነቢያትን ብጸጋ እግዚኣብሔር ተመሪሖም ብእምነትን ብተስፋን ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓረር ዝበለዎን ኣሜን ቢሎም ክጽበይዎ ዘርኣይዎ ናይ እምነት ትብዓት እነስተማቕረሉን ናይ ገዛእ ርእስና ጌርና እንነብረሉን ቅዱስ እዋን ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ንጹሓን ልቢ ንኣምላኽ ኪርእይዎ ኢዮም እሞ ብፁዓን ኢያቶም ዝብል ቃል ወንጌል እንነብረሉ እዋን ኢዩ፣ ልባትና እነንጽሓሉን ጽሩይን ግልጽን ዘይጠራጠርን ብሩህን ቅኑዕን ብሕልፊ ድማ ኣብዚ ኣብ መንጎ ድኻን ሓብታም ዘሎ ናይ ናብራ ፍልልይ ኣዚዩ ዝረሓሓቀሉን ቅልውላው ኤኮኖሚ ዝረኣየሉን ዓለም ምትሕብባርን ምእንጋድን ምድግጋፍን እነነቓቕሓሉ ዓቢይ መንፈሳዊ ዑምቀት ዘለዎ ብተራ ክሕለፍ ዘይብሉ እዋን ኢዩ፣ መብዛሕትና ነዚ ናይ ምጽኣት ዘመን ሸለል ኢልና በዓለ ልደት ግን ብድምቀት ከነብዕል ንርኤ፣ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ጌጋ ኢዩ፣ ምጽኣት ንናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ከምቲ ዝግብኦ ንምብዓል ዝብቕዕ ዝተቐደሰ ቅድመ ኵነት ኢዩ፣ ስለዚ እዚ መንፈሳውነት እዚ ክተባባዕ ሓደራ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.