2009-12-12 16:49:28

፭ ዘአስተምህሮ፦ ሰንበት ዘደብረ ዘይት 2002 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ሠርዐ ሰንበት ለሰብእ. . . . . . . ። ንባባት፡ ፍሊጵስዩስ 1፡3~8፤ ባሮክ፡ 5፡1~9 ግ.ሓ. 20፡28~ፍ ሉቃስ 3፡1~6

መንገዲ ንአምላኽ ጽረጉ፥

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ ዝተፈላለዩ አስማት ተጠቒሱ ንርኢ፥ አስማት ሰባት፥ ቦታታት መብዝሕትና ዘይንፈልጦም። ስለምንታይ እዩ ሉቃስ ነዚ ኹሉ ዝገበረ፥ ንሱ አገባብ አጸሓሕፋ አብ ዘመኑ ዝነበረ ናይ አይሁድን ግሪኻውያንን ይኽተል ስለ ዝነበረ። ብዝያድ ግን ታሪኽ ዮሓንስ መጥምቕን ኢየሱስን ሓቀኛ ከምዝኾነ ክነግር ኢሉ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ብርግጽ አብ ፍሉይ ጊዜን ቦታን ተፈጺሙ እዩ፥ ናይ ፈጠራ ታሪኽ አይኮነን።

ሉቃስ ብጽሑፋቱ አምላኽ አብ መንጎና ክሓድር ምዃኑ እዩ ዘሰናድወና፥ ነዚ ዓቢ ፍጻሜ ዝኸውን ባይታ እዩ ዘጠጥሕ ስለዚ። እቲ ልክዕ ጊዜ ክኸውን እዩ፥ ፖሎቲካዊ ኩነታት (ፍልስጥኤም አብ ትሕቲ ግዝአት ሮማውያን እንከላ)፥መራሕቲ ሃይማናኖት ሃናን ቀያፋን ሊቀ ካህናት እንከለዉ፥ ቦታ አብ ሓንቲ ንእሽቶይ ግዝአት ናይ እቲ መንግስቲ፥ ከም ዝተፈጸመ ይነግረና። እዚ ኹሉ ብዘመናዊ መጽናዕቲ ታሪኽ ክረጋገጽ ይክአል።

ታሪክ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጠራ ወይ ጽውጽዋይ አይኮነን፥ ኢየሱስ ብሓቂ ነሩ እዩ፥ ንሱ ኸአ ሰብአይ እዩ ሰበይቲ አይኮነነ ነሩ። ንሱ አብ ውሱን ጊዜን ቦታን ይነብር ነሩ፥ እቲ ዝነበሮ ቦታ ሊሚ ሰባት ይነብርዎ አለዉ። ንሱ ዝነበሮ ግዜ አብ ታሪኽ አሎ። ኢየሱስ አረማይስጢ ይዛረብ ነሩ፥ ትግርኛ አይፈልጥን ነሩ። ንሱ ምናልባት ዕብራይስጢ ይዛረብ ነሩ ክምኡ ገለ ግሪኽ። ገጹ፥ ዓይኑ፥ ስኑ፥ አፉ፥ ሕብሩ፥ ድምጹ፥ ፍሉይ ካብ ካልእ ዝፈልዮ ናቱ ነርዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ኩሉ ዘመሳስሎ ነገር ነርዎ እዚ ኸአ ምስ ኩልናን አብ ኩሉ ግዜን ሓደ ይገብሮ። እዚ እዩ ናይ ወንጌል ጸጋ ወይ ምስጢር። ስለዚ ንኢየሱስ ከም ኤሪትራዊ፥ ኢትዮጵያዊ፥ ቻይናዊ፥ ሱዳናዊ፥. . . ኮይኑ እንተ ረኤናዮ ክገርመና የብሉን። አብ ጸሎተ ሃይማኖት ሰብ ኮነ ንብል ንኹልና ደቂ ሰብ ዘጠቓልል ሓሳብ እምበር ንሓደ ዓለት ከምዘይምልከት ከረድእ።

ዮሓንስ መጥምቕ እውን ልክዕ ከም ኢየሱስ አብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ እዩ። ንሱ ንምጽአት ኢየሱስ እቲ መስሕ፥ ክርስቶስ፥ መድሓኒ ንጉሥ፥ክነግር ዝተሓርየ እዩ፥ “ንጎይታ መንገዲ ጽረጉ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ። ቃሉ ከምቲ አብ ግዚኡ ንዝነበሩ ዘስምዖ ዝነበረ ሎሚ ንአና እውን ከምኡ ልክዕ የስምዕ።

ሉቃስ፥ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ንስሓ ጥምቀትን ሕድገት ሓጢአትን እና ሰበኸ መጽአ ይብለና። አብዚ ሰለስተ ቃላት ተመሳሳልነት ዘልኦም ንርኢ፥ ጥምቀት፥ንስሓ፥ ሕድገት፥ ጥምቀት አብዚ ምስጢረ ጥምቀት ማለት አይኮነን እንታይ ደአ ስርዓት ወይ ምልክት እዩ፥ ብአኡ አቢሎም ሰባት አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብምጥላቕ ናይ ዝሓልፈ ጉድለታቶም ዝሓጽቡሉ ሥርዓት እዩ። ምስጢረ ጥምቀት ግን ሓደ አብ ማሕበር ክርስቶስ ዝወሃሃደሉ እዩ። አብ ናይ ዮሓንስ ጥምቀት ብምሕጻብ ጥራሕ ለጢ አይመጽእን እዩ እንታይ ድአ ብንስሓ እዩ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል። ሉቃስ ናይ ጥምቀት ንስሓ ይብሎ። ብግሪኽ መታኖያ ይብሎ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ውድቀትካ ምንሳሕ ጥራሕ አይኮነን እንታይ ድአ ምሉእን ጭሪሽካ ለውጢ ምስ አምላኽን ሰባትን እትገብሮን እዩ። ስለዚ ምሉእን ሓዲስን ለውጢ ማለት ናይ ልቢ ምሕዳስን ክመጽእ ዝጽውዕ እዩ።

እዚ ንስሓ ወይ ምምላስ ብወገኑ ሕድገት ሓጢአት የምጽእ። አብዚ ንሕድገት ሓጢአት ዝጥቀመሉ ቃል ብግሪኽ አፈዚስ ይብሎ ትርጉሙ ኸአ ምሕዳግ፥ ንሓደ ክኸይድ ምሕዳግ፥ ካብ ሰንሰለት ሓጢአትን ክፍአትን ነጻ ምግባር። ሕድገት ወይ ምምሓር ዝብል ካብ ከቢድ ጾር ወይ ዕዳ ነጻ ምግባር የስምዕ። ሕድገት ናብ ምሉእ ዕርቂ ምስ አምላኽን ምስ ኩሎም ዝጎዳእናዮም ወይ ምስ ዝተበአስናዮም የስምዕ። ምንጻሕ እዩ፥ ንሓደ ነገር ምሉእ ምግባር የስምዕ።

ሰባት ነዚ መገዲ ክሰናደዉ እዮም ዝዕደሙ ዘለዉ። ሉቃስ ካብ ነብይ ባሮክ ካልአይ ንባብ ዝወሰዶ “ሽንጥሮ ይምላእ ጎቦታትን ኮሮብታታትን ትሕት ኪብሉ እቲ ለሴታት ማዕረ እቲ ጎላጕል ኪመልእ እቲ ምድሪ እውን ሰጥ ክብል አዚዙ አሎ” ይብል። እዚ ክብል እንከሎ ነፍስወከፍ ሰብ ከመይ ገሩ ናይ አምላኽ ናይ ምሕረት ሥራሕ አብ ሕይወቱ ከም ዘወሃህዶ ከምዝግባእ ከረድእ ኢሉ እዩ። ንሕና እውን ከመይ ገርና ንአምላኽ ሕይወትና ከምእንኸፍት ዝሕብር እዩ። ኩሉ ብኢየሱስ ክወሃበና እዩ። ንሱ ንኹሎም ልቦም ዝኸፍቱሉ ንሕሙማት ከሕዊ፥ ንዝደኸሙ ክሕግዝ፥ ንሓጥአተኛታት ክምሕር፥ ንተስፋ ዘይብሎም ተስፋ ክህብ፥ሓቀኛ ሕይወት ክህብ፥እዩ።

አብዚ እዋን ምጽአት ክንሰናደወሉ እንሕተቶ ዘሎና እዚ እዩ። ድሕሪ ምጽአት ክርስቶስ ዓለም ክቕየር እዩ ከም ቀደም አይ ክኸውንን እዩ። ሎሚ እምብአር አብ ጽልዋ ናይ እቲ ምጽአት ኢና ዘሎና።

እንታይ እዩ ነዚ ሰሚዕና ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ?


ተልእኮና ከምቲ ናይ ዮሓንስ መጥመቕ እዩ፥ ነፍስ ወከፍና ክነመሓላልፎ ዝግብአና ተልእኮ አሎና፥ መንፈስን ክርስቶስን መልእኽቱን ናይ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ ነጻነትን ሰላምን ንኻልኦት ሰባት ክነበስር። ናይ ሰባት ሸናጥሮ ልቢ ምምላእን መንገዶም ጥጡሕ ምግባር። ጥዑማት ናይ ተስፋ ቃላት ተአምራት ክገብራ ይኽእላ እየን። ንኹሉ ብሕጉስ ገጽ ክንቅበሎ ከሎና ምስክርነት ናይ እቲ ከምጽእ ዘለዎ ክርስትያናዊ ሓጎስ ንገልጽ።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.