2009-12-12 13:44:27

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዘመሓላልፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ ትሕዝቶ፣ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 15 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. RealAudioMP3 ኣብ ቫቲካን ናይ ዜናንን ክፍሊ ማኅተምን ኣዳራሽ ወግዓዊ መገልጺ ክወሃበሉ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ የረጋገጽ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዕለት ሓደ ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. መበል 43 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ትሕዝቶ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሬናቶ ራፋኤለ ማርቲኖንን ናዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶሶ ሰፊሕ መግለጺ ክህብሉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ 2010 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሰላም መልእኽቲ ብቋንቋታት ጣሊያንን ፈረንሳን እንግሊዝን ጀርመንን ሳፓንሽን ፖርቱጋልን ቁሩብ ኮይኑ ክዝርጋሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.