2009-12-12 13:42:08

ካልኣይ ሰንበት ዘምጽኣት


ብላቲን ሥርዓት እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ካልኣይ ሰንበት ዘምጽኣት ክኸውን እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታ ላሜሳ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ተሓባባርቶም RealAudioMP3 ብፁዓን ካርዲናላትን ኣቡናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎት ዘቕረብዎ ስክብከት፣ ካህናት ንዓለም ናይ እግዚኣብሔር ጥዑም ናይ ሽቱ መዓዛ ኢዮም ኢሎም፣ ደስ ዝብል ጨና ብርሑቕ ከምዝልለን ካህን ኣብ ዓለም፣ ፍጥረት ሰብ እግዚኣብሔር ዘለልየሉ ጥዑም ናይ ሽቱ መዓዛ ክኸውን ዝተጸወዔ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ገለ ገለ ካህናት ኣክንዲ እቲ ፍጥረት ሰብ ንእግዚኣብሔር ዝምልከተሉን ዘለልየሉን ጥዑም ናይ ሽቱ መዓዛ ኣክንዲ ዝኾኑ ብፍትወት ዓለም፣ ብሕሉፍን ፋሉንን ሰነ ባህሊ ተዋሒጦምን መንፈሳውነት ዘንጊዖምን ነቲ ኅላዌ እግዚኣብሔር ዝሕብሩ ጥዑም ናይ ሽቱ መዓዛ ዝዕብሉዅ ደስ ዘየብል ጨና ኾይኖም፣ ሰባት ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይፋለይን ክብሉ ዝድርኹ ኮይኖም ይርከቡ። ቅዱስ ጳውሎስ ካህናት ከምቲ ክርስቶስ ካህን ቅቡዕ እግዚኣብሔር፣ ኣገልገልቲ መንፈስ ቅዱስ ቢሉ ይገልጾም፣ ምእንቲ’ዚ ካህን ኣብ መዓልታዊ ሕይወቱ እንታይ ክገብርን ንመን ክመስልን ከምዘለዎ ንጹር ኢዩ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዝተመልኤ ካብዚ ብዝነቅል ሓይሊ ድማ ቅዱሳት ሚስጢራት ኣናሰርዔ ፍጥረት ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ኢዩ። ነዚ ዘይነብር ካህን ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ ቢሎም ስለዚ ካህን ሓንሳብ ድልው ውኡቱ ተባሂሉ ምስ ተቐብኤ ፍጹም ኮይኑ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ጸሎት ክተግህ ገዛእ ርእሱ ብቑዱሳት ሚስጢራት መጊቡ ንኻልኦት ዝምግብ ገዛእ ርእሱ ኪሑዱ እዚ ማለት ድማ ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ኣሕሊፉ ምልኣት ገዛእ ርእሱ ረኺቡ ክነብር ኣለዎ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.