2009-12-12 13:32:21

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ናይ ሬፓብሊካዊት ሶሻሊስት ቨትናም ርእሰ ብሔር ንጉየን ሚህን ትሬት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ የረጋገጽ። እዚ ኣብ መንጎ ቅዱስ RealAudioMP3 ኣቦናን ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔርን ዝተኻየደ ርክብ ፈለማ ክኸውን እንከሎ፣ ርእሰ ብሔር ቨትና እቲ ዝካይደዎ ርክብ ኣድማዕን ዘሕጉስን ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቨትናም ንሓድሽን ዝምዕብልን ርክብ ፈላምን ነቶም ኣብ መግኖ ቅድስቲ መንበርን ቨትናም ዘለዉ ገና መፍትሒ ዘይተረኸበሎም ሕቶታት መዕለቢ ንኽርከበሉ ዘተባብዕ እውን ኔሩ ከምዝበሉ፣ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መገልጺ ኣመልኪቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀረባ ኣዋን ንናይ ቨትናም ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓመት ኢዮቤል ምኽንያት ዘተሓላለፍዎ መልእኽትን ናይ ሓባር ርክባትን ኣብ ዝብምልከቱ ኣርእስታት ከማኡ ድማ እዋናውነት ዘለዎም ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ቅድስቲ መንበርን ቨትናም ኣብ ኅብረ ብዙሕ ጉዳያት ዓለም ዘለወን አመለኻኽታ መሠረት ዝገበረ ዘተ ምስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምክያድ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማምበርቲ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.