2009-12-12 14:58:18

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ረፓብሊክ አይርላንድ ጳጳሳት ልኡካን ተቀቢሎም አዘራሪቦም.


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ረፓብሊክ አይርላንድ ጳጳሳት ልዑካን ጉጅለ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ፡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስን ናይ ረፓብሊክ አይርላንድ ጳጳሳት ልዑካንን ፡ ብዛዕባ”ቲ አብ ሰበኻ ዳብሊን ብአባላት ቤተክርስትያን አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ፍትወተ ስጋ ዝተኻየደ መጽናዕትን መርመራን ውጽኢቱን ብዝምልከት ከም ዝዘተዩ ፡ እቲ መግለጺ አረዲኡ።

በዚ መግለጽ”ዚ መሠረት ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ”ቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝቀረበ ጸብጻብ ምስ ተረድኡ ፡ ጥልቂ ሐዘን ከም ዝተሰምዖምን እቶም ነዚ ዘሕፍር ተግባር”ዚ ዝፈጸሙ ፡ አባላት ቤተክርስትያን ረፓብሊክ አይርላንድ ንእግዚአብሔር ዝአተውሉ መብጽዓ ከም ዝክሐዱን ንቅድስት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሕዝናን ዘሕፍራን ገበናዊ ተግባር ከም ዝፈጸሙን ፡አብ ምእመናን እምነት ከም ዘጥፍኡን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሐዘን ገሊጾም።

ምእንቲ”ቶም አብ ልዕሊኦም ገበን ዝተፈጸመ ሰባትን ቤተሰቦምን ከም ዝጽልዩ ምእመናን ምስኦም ሐቢሮም ክጽልዩን ከም ዘተሐሳሰቡ እቲ መግለጺ ቀጺሉ አገንዚቡ ።

ቤተክርስትያን ነዚ አብ ረፓብሊክ አይርላንድ ዝተፈጸመ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ተግባር ዝመሳሰል አብ ዝኾነት ትኹን ቤተክርስትያን ከይፍጸም ስትራተጂካዊ ሕንጻጻት ከም ተማዕብል ከም ዘመልከቱ ተነጊሩ።

ከምዚ ዓይነት ዘሕዝን ኩነታት ክፍጠር ከሎ ምእመናን እንታይ ክገብሩ ከም ዝግባእ ዘረድእ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ንምእመናን ረፓብሊክ አይርላንድ ክሰዱ ከም ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘፍለጡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ”ዚ ብገለ አባላት ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ አባላት ቤተክርስትያን መስመር ንጽሕና ሐዋርያዊ አገልግሎትን ሒዞም ንዝሰርሑ ከመስግንዎም ከም ዝደልዩ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ከም ዘመልከቱ ክአ እቲ መግለጺ አገንዚቡ።

እቶም ትማሊ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተራኸቡ ናይ ረፓብሊክ አይርላንድ ቤተክርስትያን ሰበ ሥልጣናት ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ብረዲ ናይ ዳብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ማርቲንን አብ አይርላንድ ናይቅድስት መንበር ሃዋርያዊ ወኪልን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.