2009-12-12 13:45:40

መራኸቢ ብዙሓን ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ሰብ


ናይ ቫቲካን መደብር ቴሌቪዥንን ቫቲካን ሬድዮን ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ማሕተምን ክፍሊ ዜናን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅድቲ ትማሊ ራዲዮ ዝፈልሰፈ ናይ ሳይንስ ሊቅ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ናይ ፊዚክስ RealAudioMP3 ብሉጽ ተማራማሪ ተባሂሎም ናይ ኖበል ተሸላሚ ዝኾኑ ዕለት ንምዝካር ኣብ ዝተኻይደ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም፣ ኣብ መንጎ ረዲዮን ፈላስፋ ራዲዮን ማርኮኒ ዘሎ ርክብ ንናይ ረብሓ ፍጥረት ሰብ ኣገልግሎት ብዝብል ርቛሒ ዝጠቓለል ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣባ ሎምባርዲ እዚ ካምፒዶሊዮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ሮማ ቤት ምኽሪ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም፣ ማርኮኒ ራዲዮ ክምህዙ ዝድረኾም ድላይ ባዶ ናይ ምምርማር ህርፋንን ተፈላጥነ ንምርካብ ዘይኮነስ፣ ንማሕበርሰብ ዓለም ንምግልጋል ዝብል ዕዙዝ ክብር ዋጋ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ራዲዮ መልእኽቲ ሰላምን ረብሓ ፍጥረት ሰብ ዝቓላሓሉ መሣርሒ ክኸውን ኣብ ዝብል ድላይ ዝተመርኮዘ ርክብ ብምክያድ ኣብ ከተማ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር መደበር ራዲዮ ክቐውም ከምእተሓባበሩን እዚ ድላይ እዚ ድማ ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓ.ም.ፈ. ከምእተረጋገጸን ዘኪሮም፣ ማርኮኒ ኣብ 1909 ዓ.ም.ፈ ዝተቐበልዎ ናይ ፊዚክስ ኖበል ሽልማት፣ ቀዳማይ ኢጣሊያዊ ናይ ኖበል ተሸላሚ ንኽኾኑ ከምዘብቐዖም ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ቅድስቲ መንበር ብራዲዮ ቫቲካን ገይራ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ቀጺላ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝረኣዩ ግርጭታትን ምስሓሓባትን ውግኣትን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተግባራት ክወገዱን ዘተባብዑ ናይ ሕንጸት መደባት ብምክያድ ንምትሕብባርን ምቅርራብን ከምዘገልግል ድማ ኣረዲኦም፣ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 25 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም.ፈ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉን ኣብ ጽንኩር ኣዋን ይኹን ኣብ ራህዋ ንሰላም እተተባብዕ ራዲዮ ኢያ ኢሎም፣ ራዲዮ ቫቲካን ብዝተፈልለዩ ቋንቋታት ናይ ሰብኣውነት ኣድማስን ሓሳብን ተግባራትን ዝመሓላለፈሉ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም መገልገሊ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.