2009-12-12 13:46:37

ኮንጎ፣ ጸረ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ዓመጽ


ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ዝርኤ ዘሎ ጸረ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ዓመጽን ናይ ሞት ምጥቃዕትን ኣመልኪቶም ናይ ባርናባውያን ልኡካነ ማሕበር ኣባል ኣባ ዣን ፖል ባሃቲ ምስ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት RealAudioMP3 ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ 48 ሰዓት ውሽጢ ሓደ ገዳማውን ሓንቲ ፈላሲት ከምእተቐትሉን ዘኪሮም፣ እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ጸረ ካህናትን ደናግልን ጥራሕ ዘይኮነስ ጸረ ዓለማውያን ምእመናን እውን ኢዩ፣ ናይዛ ሃገር መንግሥቲ ዝተፈላለዩ ካህናትን ደናግልን ዝርከብሉ ኣባይቲ ወይ ድማ ገዳማት ዝሕልዉ ኣባላት ጸጥታን ደህንነት ከምዘዋፈረ ኣባ ባሃቲ ገሊጾም፣ እተኾነ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ገዳማውያን ዝተፈጸመ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ዘስግእ ከምዝኾነን ናይ ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ሕይወት ጸጥታን ደህንነት ዘለዎ ውሑስነት ስንኩፍ ምዃኑ ዘመልክት እኳ እንተኾነ፣ ወንጌላዊ ልኡኽ ምስ ሕዝቢ ዝነብር ንሕዝቢ ዘገልግል ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ዕለት 25 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ንኸተብዕሎ እተቀራረበሉ ዘላ በዓለ ለደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጸረ ካህናትን ደናግል ዓመጽ ዒላማ ከይከውን ፍርሒ ኣሎ ከምዝበሉን ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.