2009-12-11 14:55:04

ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፓሲንያ አብታ ሀገር ሰሜናዊ ክሊ ዝካየድ ዓመጽ ኮኒኖም.

 


አብ ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ ነቲ አብ ሰሜናዊ ምብራቅ አብ ቡካቩ አብ ዝሐለፈ ሰባዓን ክልተን ሰዓታት አብ ልዕሊ አባላት ሃይማኖት ዝተፈጸሙ ተግባረ ዓመጻት ብጥብቂ ከም ዝኾኖንዎ ሚስና ዝተባህለ አገልግሎት ዜና ካብ ኪንሻሳ አመልኪቱ።

አብ ውሽጥ”ዚ ዝተጠቅሰ ሰዓት አባ ዳኒኤል ቺጺምያ ዝተባህሉ ካህን አብ ካባረ ዝተባህለ ቦታ ብዓመጽቲ ከም ዝተቀትሉን አብ ልዕሊ ካልኦት ስቃይን ምክልባትን ይካየድ ከም ዘሎን ክምልከት ከሎ ፡ ብፁዕ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ መንግስቲ ረፓብሊክ ኮንጎን አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኮንጎ ሰፊሮም ዘለዉ አኽበርቲ ሰላም ወተሀደራት ሕቡራት ሀገራትን ነዚ ብፁዕ አቡነ ፓሲንያ ስራሕ አረሜን ዝጸውዕዎ ብዓመጽቲ ዝፈጸም ዘሎ ተግባራት ክገትኡ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ሚስና አገልግሎት ዜና አፍሊጡ።

እዚ ተግባረ - ዓመጽ”ዚ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዕርቅን ሰላም ክርከብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ንምትዕንቃፍ ተባሂሉ ዓሚጾም ዝናበሩ ጠቅሚ ዝጐደሎም ሰባት ዘካይድዎ ዘለዉ እኩይ ተገባር ከም ዝኾነ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ አቡነ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ ከም ዝገለጹ ሚስና አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ካብ ረፓብሊክ ኮንጎ ከይወጻእና አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብጹዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ አብ ኪንሻሳ ተቅዋም ፓን አፍሪቃዊ ማኅበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝቆመሉ ቦታ እምነ መሠረት ከም ዘቀመጡ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

እዚ ፓን አፍሪቃዊ ማኅበራዊ ትምህርተ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝህብ ተቅዋም”ዚ ምስቲ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ረፓብሊክ ኮንጎ ዝተዋሀደ ከም ዝኸውን እቲ ዜና አብሪሁ።

እዚ ተቅዋም”ዚ ቅድሚ ሎሚ ብድሌት ነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን በቲ ናይታ ሀገር ረኪበ ጳጳሳትን ዝተሐስበ ከም ዝኾነ ይምልከት ።

ናይ ረፓብሊክ ኮንጎ ረኪበ ጳጳሳት ዋና ጽሐፊ ኒኮላስ ዲጆሞ ከም ዘመልክትዎ፡ እዚ ትቅዋም”ዚ ብስም ብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ከም ዝጽዋዕ ጠቂሶም፡ ማኅበራውያን ትካላት ቤተክርስትያን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ኩሎም ነዚ መደብ”ዚ ንምቅናዕ ብፋናንስ ከተሐባበሩ ከም ዝጸውዑ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አረዲኡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.