Home Archivio
2009-12-10 17:23:51
፫ ዘአስተምህሮ፥ ዘመጻጉዕ 2002 ዓ.ም
መዝሙር ፡ ይቤሉ እስራኤል. . . . . . . ። ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 1፡3~9 ራእይ 6፡9~ፍ ሉቃስ 17፡11~19
“ንአምላኽ ምምስጋን”።
ፍጡር ንአምላኽ ከመስግን እዩ ዝተፈጥረ፥ ባሕርይ ፍጡር ጎደሎ እዩ ብፍሉይ ድሕሪ ውድቀት አዳም ብዙሕ ዘይባሕርዩ ንአምላኹን ንርእሱን ዘሕዝንን፥ ዝጎድእን ባሕርያት ፈጢሩ ጎደሎ ምዃኑ ብንጹር ክርኢ ክኢሉ። ውድቀት ክረባረቡል ብንጹር ንርኢ። ገለ እዋን ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ክቡር ህያቡ መጋበሪ ውድቀት ገርዎ ይጉዓዝ አምላኽ ግን ንፍሉይ ዓላማ እዩ ሂብዎ። ሰብአይን ሰበይትን ክፈጥር እንከሎ ዓላማ ነርዎ ሎሚ እንተረኤና ንተፈጥሮና ዝጻረር ክግበር ብግሁድ ንርኢ። ወረ ገለ እዋን ነቲ አምላኽ ዝሰርዖ ዝኽተል ከም ዘይሰልጠነ ፋራ ንብሎ ንአብነት ዝኾኑና፥ ጽንሲ ምንጻል፥ ዓለት ደቂ ሰብ ክተጽንት ምጽዓር፥ ንክፍአት ብድፍረት ምእታው፥ ውግእ፥ ዓመጽ አብ ኩሉ ምዝርጋሕ፥ ድራግ፥ዓለትነት፥ ግብረ ሽበራ . . . እዚ ኹሉ ንመልክዕ ተፈጥሮና ጎልቢቡ ካብ አምላኽ የርሕቐና። ንሕና ዝተፈጠርናዮ ግን ንአምላኽ ምምሳል ንአምላኽ ምምስጋን እዩ። መልክዕና መልክዕ አምላኽ ምልባስ እዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት ንባብትና ከምይ ገርና ንአምላኽ ክነመስግን ክንመስልን ከምዝግብአና የስተምህሩና።
ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ 10 ለምጻማት እሞ ዝሓወዩ ካብኦም ሓደ እሞ ሳምራዊ ጥራሕ ከም ዘምስገነ ይነግረና። እዞም ሓደ ጸገም ዝነበሮም ለምጻማት አብ ሓደ ቦታ ይቕመጡ ነሮም በቲ ግዜ እቲ ሳምራውያንን አይሁድን አይሽንኳይ ብሓደ ክቕመጡ አይቃረቡን ነሮም እቲ ሓደ ጸገም ብሓንሳብ ከምዝኾኑ ገርዎም፥ ካብ ህዝቢ ተገሊሎም ብማዕዶ እናጭርሑ ንኢየሱስ ርድአና በልዎ ንሱ ኸአ እንታይ ትደልዩ በሎም ክንሓዊ በልዎ ኪዱ ርእስኹም ንካህናት አርእዩ በሎም ከመይ በቲ እዋን ካብ ለምጺ እንተ ሓወኻ ከምዝሓወኻ ዝምስክር ካህን ጥራሕ እዩ ነሩ ክኸዱ ከልዉ ካብአቶም ሓደ ጥራሕ ከምዝሓወየ ምስ ረአየ ድምጹ ዓው አቢሉ ንአምላኽ እናአመስገነ ተመልሰ ይብለና። እዚ ናይ ሎሚ አስትምህሮና ዘተኩረሉ እዩ። እና አመስገንካ አብ አምላኽ ምምላስ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንነፍስወከፍና ዝሕግዝ፥ ክንገብሮ ዝግብአና፥ ዘዘኻኽር ተምህርቲ አልኦ።
ኢየሱስ ንኹሎም ክሓውዩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ካብ ዝኾነ ሓጢአት ወይ ጸገም የሕዊ እዩ። ናታትና ድለት ወሳኒ እዩ። አብዚ እቶም 10 ለምጻማት እዮም ዝሓተቱ እቲ ጸገም እቲ ሕማም ጥራሕ አይኮነን ነሩ እቲ ንሱ ዘስዕቦ እውን ማለት ብሰንኩ ካብ ሕብረተሰብ ተፍልዮም፥ ካብ ቤተ መቕደስ ተፈልዮም ካብ ኩሉ ተፍልዮም በዚ ምኽንያት እዮም ናታቶም ማሕበር ዝፈጠሩ። ምናልባት እቲ ጽንኩር ሕይወቶም ትሽዓተ አይሁድ ንሓደ ሳምራዊ ክቕበሉ ገዲድዎም። ኩነታቶም ንኢየሱስ ክአምኑ ምሕረት ክሓቱ ሓጊዝዎም። ግን አብ ምሕረት ምስ ረኸቡ ተፈላልዮም። አብ ጥዕና ሥጋ ምስተዋህቦም በበይኖም ኮይኖም።
ሓቀኛ እምነት መልሲ ካብአምላኽ ይወሃቦ። ብእምነት ነዚ ጎቦ ካብዚ ዘልኦ ክትቅይርዎ ትኽእሉ ይብለና ኢየሱስ። እዞም ዓሰርት ለምጻማት እምነት ገሮም ለሚኖም ኢየሱስ ነዚ ርእዩ ቀልጢፉ መሊስሎም ናብ ካህናት ኪዱ እናበለ መገዲ ንጽሓት ሓቢርዎም። እምነት አብ ምሕረት ይመርሓና። ስለ ዝአመኑ ንቃል ኢየሱስ ብዘይ ጥርጠራ ቃል ንቓሉ ወሲዶሞ ስለ ዝኸዱ ተማሒሮም። ኪድ እምነትካ አሕውያትካ ተባሂሉ። እምነት ከምዝጠዓመካ እትቕይሮ አይኮነን ነቲ ክአል ኩሉ አምላኽ ዝሃቦ ዝበሎ ወላ አይረዳእካ ምቕባል እዩ። እዚ ገለ እዋን ምስ ዓቕምና ይኸብደና እዩ።
መልሲ ትምኒቶም አብ ጉዕዞ እናኸዱ ተፈጺሙ ዓቢ ታሕጓስ ኮይንዎም ኩሉ ተቐንጢጡ ከም ኩሉ ሰቦም ኮይኖም እንተኾነ ካብቶም ዝሓወዩ ሓደ ጥራሕ ተመሊሱ ንኢየሱስ አመስጊኑ፥ ሉቃስ ሳምራዊ እዩ እቲ ዝተመልሰ ይብለና በዚ ኸአ ቀጺሉ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ይነግረና። ወላ እቶም ዝተጸልኡ ሳምራውያን ክአምኑ ይክአል እዩ እምነት ጥራ ዘይኮነ ልዕሊ አይሁድ እቶም ምኩሓት ንአምላኽ ከምስግኑ ንረኽቦም። ገለ እዋን እቶም ዘይአምኑ ዝመስሉ ዝዓበየ እምነት ክህልዎም ይክአል።
ንአምላኽ ምምስጋን፥ ኩሉ ዝወሃበና ጸጋ አምላኽ መልሲ የድልዮ። ትሽዓተ ለምጻማት መመንገዶም ከይዶም ሓደ ግን ንአምላኽ እናአመስገነ ተመሊሱ። በዚ እዩ ተንስእ እምነትካ አሕውያትካ ዝብል ቃል ኢየሱስ ዝሰምዐ። ዕጫ እቶም ትሽዓተ ብንጹር እኳ እንተ ዘይፈለጥና ብምሕዋዮም ድሕነቶም ክነረጋግጽ አይንኽእልን። ንሕና ብኹሉ ዝተዋህበና ተመስገን ኢልና ንፈልጥዶ። ንዝተገብረልና ውህበንት ግንዖትን ክነመስግን ክኢልናዶ። ካብቶም ትሽዓተ ሓደ ጥራሕ ምንጪ ምሕረት ካብ ኢየሱስ ምዃኑ ተረዲኡ በዚ እዩ ድሕነት ከምዝረኸበ ዝተረጋገጸሉ። ሎሚ አነ ከም አነ ሕይወተይ ከመይ እርእያ።
ንሕና ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ከምዞም ለምጻማት ምሕረት እንልምን ኢና። ብምስጢራት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና ሓቀኛ ክርስትያንዊ ሕይወት ንለብስ። ምጥማቕ ሓደ ነገር እዩ ነቲ ጥምቀት ዘልብሶ ሓላፍነት ምትግባሩ ኸአ ካልእ ነገር እዩ። ብሓጺሩ ምስጢራት ምስ ተቐበልናዮም እንታይ እዩ ናታትና ተራ አብ ሕይወትና ክነተግብሮም። ድሕነትና ከም ሓደ ዋጋ ዘይተዋህቦዶ ንዋስዶ እሞ ከምቶም ትሽዓተ ለምጻማት ፀሓይ አብ ዝበረቐቶ ንኸይድ ወይስ ተመሊስና ንአምላኽ ነመስግን እሞ መምርሒ ክውሃበና ንሓትት ከምቲ ሳምራዊ።
ሕይወትና ኩሉ ንአምላኽ ክነመስግን ዝተዋህበና እዩ ነዚ ክንገብር ውሽጣዊ ቅርቡነት አድላዪ እዩ። ዝዓበየ ምስጋና እንህበሉ ግዜ ቅዱስ ቅርባን ምስ ተቐበልና ኢና። ቅ. አጎስጢኖስ ከምዚ ይብል፡ “አብዚ ሕይወት ከሎና ብዝክአለና ንአምላኽ ክነመስግን ይግብአና። አብዚ ዝገብርናዮ ንምጻኢ ሕይወትና ወሳኒ እዩ። ሓደ ሰብ ንአምላኽ እንተዘይ አመስገነ አብ ሰምያዊ አኸባ አይክሳተፍን እዩ። ንዑ ኩልና አብ ነነድሕድና ሃሌ ሉያ እናበልና ንአምላኽ ነመስግን፥ ንርእስኹም እናተቓረብኩም ንአምላኽ አመስግንዎ” ይብል።
አምላኽ ኩሉ ግዜ አብ የማን ተመሊስና ክርኢ ይደሊ አብቲ ብሓልዮቱ ዝተዋህበና ሕይወት ክነገልግሎ ክንልአኾ ክንምስክሮ ይደሊ። በቲ ዝሃበና ክነፍሪ ድላዩ እዩ እሞ ገለና 30፥60፥100 ክነፍሪ ይደሊ። ክተፍሪ ግን ብቀዳምነት ባይታ የደሊ፥ ባይታ ሕልናና ብአምላኽ ክውነነ እንከሎ ጥራሕ ኢና ክነምስግኖን ክነፍርን እንኽእል። ብኻልእ ዋኒን ዝተወነነ ሕልና ክቕይር ይኸብዶ። እዋን ምጽአት መቐረቱ ነዚ ብኻልእ ተወኒኑ ዘሎ ሕይወት አብቲ ቀንዱ ክትመልሶ ዝሕግዝ ጊዜ እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ጸጋ ስለ ዝተዋህቡ፥ እቲ ንሱ ዝበሎም አብኦም ጸኒዑ ስለ ዝረአየ፥ ብኹሉ ስለ ዝሃብተምኩም አምስግን አሎኹ ይብል። ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ርኢና ተምስገን እና በልና አብዚ ብሩኽ ሰንበት ነቲ ዝተዋህበና ምስ ካልኦት አብ አገልግሎት አምላኽ ክነውዕሎ መብጽዓና ነሓድስ። ኦ አምላኸይ ብኹሉ ህያባትካ አምስግነካ አሎኹ ንበል።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
All the contents on this site are copyrighted ©.