2009-12-10 17:23:51

፫ ዘአስተምህሮ፥ ዘመጻጉዕ 2002 ዓ.ም


መዝሙር ፡ ይቤሉ እስራኤል. . . . . . . ። ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 1፡3~9 ራእይ 6፡9~ፍ ሉቃስ 17፡11~19

“ንአምላኽ ምምስጋን”።

ፍጡር ንአምላኽ ከመስግን እዩ ዝተፈጥረ፥ ባሕርይ ፍጡር ጎደሎ እዩ ብፍሉይ ድሕሪ ውድቀት አዳም ብዙሕ ዘይባሕርዩ ንአምላኹን ንርእሱን ዘሕዝንን፥ ዝጎድእን ባሕርያት ፈጢሩ ጎደሎ ምዃኑ ብንጹር ክርኢ ክኢሉ። ውድቀት ክረባረቡል ብንጹር ንርኢ። ገለ እዋን ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ክቡር ህያቡ መጋበሪ ውድቀት ገርዎ ይጉዓዝ አምላኽ ግን ንፍሉይ ዓላማ እዩ ሂብዎ። ሰብአይን ሰበይትን ክፈጥር እንከሎ ዓላማ ነርዎ ሎሚ እንተረኤና ንተፈጥሮና ዝጻረር ክግበር ብግሁድ ንርኢ። ወረ ገለ እዋን ነቲ አምላኽ ዝሰርዖ ዝኽተል ከም ዘይሰልጠነ ፋራ ንብሎ ንአብነት ዝኾኑና፥ ጽንሲ ምንጻል፥ ዓለት ደቂ ሰብ ክተጽንት ምጽዓር፥ ንክፍአት ብድፍረት ምእታው፥ ውግእ፥ ዓመጽ አብ ኩሉ ምዝርጋሕ፥ ድራግ፥ዓለትነት፥ ግብረ ሽበራ . . . እዚ ኹሉ ንመልክዕ ተፈጥሮና ጎልቢቡ ካብ አምላኽ የርሕቐና። ንሕና ዝተፈጠርናዮ ግን ንአምላኽ ምምሳል ንአምላኽ ምምስጋን እዩ። መልክዕና መልክዕ አምላኽ ምልባስ እዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት ንባብትና ከምይ ገርና ንአምላኽ ክነመስግን ክንመስልን ከምዝግብአና የስተምህሩና።

ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ 10 ለምጻማት እሞ ዝሓወዩ ካብኦም ሓደ እሞ ሳምራዊ ጥራሕ ከም ዘምስገነ ይነግረና። እዞም ሓደ ጸገም ዝነበሮም ለምጻማት አብ ሓደ ቦታ ይቕመጡ ነሮም በቲ ግዜ እቲ ሳምራውያንን አይሁድን አይሽንኳይ ብሓደ ክቕመጡ አይቃረቡን ነሮም እቲ ሓደ ጸገም ብሓንሳብ ከምዝኾኑ ገርዎም፥ ካብ ህዝቢ ተገሊሎም ብማዕዶ እናጭርሑ ንኢየሱስ ርድአና በልዎ ንሱ ኸአ እንታይ ትደልዩ በሎም ክንሓዊ በልዎ ኪዱ ርእስኹም ንካህናት አርእዩ በሎም ከመይ በቲ እዋን ካብ ለምጺ እንተ ሓወኻ ከምዝሓወኻ ዝምስክር ካህን ጥራሕ እዩ ነሩ ክኸዱ ከልዉ ካብአቶም ሓደ ጥራሕ ከምዝሓወየ ምስ ረአየ ድምጹ ዓው አቢሉ ንአምላኽ እናአመስገነ ተመልሰ ይብለና። እዚ ናይ ሎሚ አስትምህሮና ዘተኩረሉ እዩ። እና አመስገንካ አብ አምላኽ ምምላስ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንነፍስወከፍና ዝሕግዝ፥ ክንገብሮ ዝግብአና፥ ዘዘኻኽር ተምህርቲ አልኦ።


ሕይወትና ኩሉ ንአምላኽ ክነመስግን ዝተዋህበና እዩ ነዚ ክንገብር ውሽጣዊ ቅርቡነት አድላዪ እዩ። ዝዓበየ ምስጋና እንህበሉ ግዜ ቅዱስ ቅርባን ምስ ተቐበልና ኢና። ቅ. አጎስጢኖስ ከምዚ ይብል፡ “አብዚ ሕይወት ከሎና ብዝክአለና ንአምላኽ ክነመስግን ይግብአና። አብዚ ዝገብርናዮ ንምጻኢ ሕይወትና ወሳኒ እዩ። ሓደ ሰብ ንአምላኽ እንተዘይ አመስገነ አብ ሰምያዊ አኸባ አይክሳተፍን እዩ። ንዑ ኩልና አብ ነነድሕድና ሃሌ ሉያ እናበልና ንአምላኽ ነመስግን፥ ንርእስኹም እናተቓረብኩም ንአምላኽ አመስግንዎ” ይብል።

አምላኽ ኩሉ ግዜ አብ የማን ተመሊስና ክርኢ ይደሊ አብቲ ብሓልዮቱ ዝተዋህበና ሕይወት ክነገልግሎ ክንልአኾ ክንምስክሮ ይደሊ። በቲ ዝሃበና ክነፍሪ ድላዩ እዩ እሞ ገለና 30፥60፥100 ክነፍሪ ይደሊ። ክተፍሪ ግን ብቀዳምነት ባይታ የደሊ፥ ባይታ ሕልናና ብአምላኽ ክውነነ እንከሎ ጥራሕ ኢና ክነምስግኖን ክነፍርን እንኽእል። ብኻልእ ዋኒን ዝተወነነ ሕልና ክቕይር ይኸብዶ። እዋን ምጽአት መቐረቱ ነዚ ብኻልእ ተወኒኑ ዘሎ ሕይወት አብቲ ቀንዱ ክትመልሶ ዝሕግዝ ጊዜ እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ጸጋ ስለ ዝተዋህቡ፥ እቲ ንሱ ዝበሎም አብኦም ጸኒዑ ስለ ዝረአየ፥ ብኹሉ ስለ ዝሃብተምኩም አምስግን አሎኹ ይብል። ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ርኢና ተምስገን እና በልና አብዚ ብሩኽ ሰንበት ነቲ ዝተዋህበና ምስ ካልኦት አብ አገልግሎት አምላኽ ክነውዕሎ መብጽዓና ነሓድስ። ኦ አምላኸይ ብኹሉ ህያባትካ አምስግነካ አሎኹ ንበል።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.