2009-12-10 14:00:53

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኮሎምቢያ


ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ንምዃን ሕጹዮ ኮይኖም ዝቐርቡ ራፋኤል ፓርዶ ኣብቲ ኣብ ዘካይድዎ ዘሎ ናይ ምረጹኒ ፖሊቲካዊ ጎስጓስ፣ ጽንሲ ንምንጻል ማለት ድሕሪ ዝኾነ ይኹን ጾታዊ ርክብ ዝውሰድ ጽንሲ መስደዲ RealAudioMP3 መድሃኒት ትሕቲ ዕድመ ንዝኾና ማለት ንትሕቲ ደቂ ዓሰርተ ዓሙሽተ ዓመት ፍቑድ ክገብሩ ምዃኖም ዘቕረብዎ ሓሳብ፣ ናይ ኮሎምቢያ ቤተ ክርስትያን ኢሞራላውን ጸረ ሰብኣውን ናይ ሞት ባህሊ ምዃኑ ሓቢራ ተቓውሞኣ ተስምዕ ከምዘላ ተገሊጹ።

እዚ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፋሕፍሕ ጎስጓስ ብምቅዋም ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ቪሰንተ ኮርዶባ ቪሎታ፣ እተን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቀ ንስትዮ ወሊድ ንምቁጽጻር ከምዝኾነ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሓሳብ፣ ጸረ ጥዕና ደቀ ንስትዮን ተግባር ምንጻል ጽንሲ ኢዩ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ክንክንን ሓልዮትን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቀ ንስትዮ ምርግጋጽ መስደዲ ጽንሲ መድኃኒት ብምፍቃድ ዘይኮነስ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ምግብራውን ግብረ ገብን ብሓፈሻኡ ናይ ሕይወት ሕንጸትን ብምቕራብ ኢዩ ዝረጋገጽ ኢሎም፣ እቶም ሕጹይ ተመራጺ ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ክስሕቡ ናይ ፔረይራ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቱሊዮ ዱንከ ጉተይረዝ ጻዕዊት ከምዘቕረቡ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.