2009-12-10 13:55:50

እየሩሳሌም ናይ ሓባር ተዛማዲት ርእሰ ከተማ ናይ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት


እየሩሳሌም ናይ ኣይሁድን እስላምን ክርስትያንን ናይ ሓባር ከተማን ናይ እስራኤልን ፍስልጥኤምን ናይ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ርእሰ ከተማ ክትኸውን ዝብል ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ክረጋገጽ ቅድሚ ትማሊ ኅብረት ኤውሮጳ ድግማይ RealAudioMP3 ሕቶ ከምዘቕረበ ተገሊጹ።

እዚ ቅድሚ ትማሊ ካብ ብራሰልስ ዝቐረበ ሓሳብ፣ ዝድግፍ ኮነ ዝቃወም ካብ ዝኾነ ሃገርን ዓለም ሓቆፍ ማኅበራትን ዝተውሃበ ርእይቶ ከምዘየለ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ኅብረት ኤውሮጳ ዘቕረቦ ርእይቶ ኣመልኪቶም፣ ናይ ስነ ቅድስት መሬት ሊቅ ኣባ ዳቪድ ጃገር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ቅድስቲ መንበር ብዙሕ ግዜ ደጋጊማ ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ወሳኒ ምዃኑ ከም ሓሳብ ከተቕርቦ ጸኒሓ ኢያ ኢሎም፣ እዚ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝቐረበ ሓሳብ ናይ ኢየሩሳሌም ሕጋውነት ዓለም ሓቆፍ ከተማ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ነቲ ዝኾነ ይዅን ክሌኣዊ ስምምዓት ሠገር ሕጋውነት ለበስ ኵነት ኢዩ እየሩሳሌም ናይ ሓባር መራኸቢት ከተማን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብማዕርነት እትምልከትን ናይ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት መሰልን ፍቓድን ረብሓብ ዝኽበረላ ክትኸውን ዘተሓሳስብ ኢዩ፣ ስለዚህ ድላይ ናይ ክልተኤን ሃገራት ዝሕሉ ዓለም ሓቆፍ ሕጋውነት ለበስ ተዛማዲት ከተማ ክትኸውን ዘተባብዕ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.