2009-12-10 13:57:08

ቻይናን ቫቲካንን


በዚ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ናይ ክህነት ዓመት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ንናይ ቻይና ካህናትን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናብ ናይ ቻይና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ውሉደ ክህነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ዝገለጽዎ ኣባታዊ ፍቕሪ ዘተንጸባርቕ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ካቶሊክ ቤተ ክ ርስትያን ቻይና፣ ምእመናንን ውሉደ ክህነት ብናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ብመንበረ ጴጥሮስን ከምዝድገፍን ዝተባባዕን ምዃኑ ከምዘረጋገጹን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ድሕሪ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናብ ቻይና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ናይ ቻይና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ቫቲካንን ዘሎ ርክብ ኣድማዒ እናኾነን እቲ ዝርኤ ዝነበረ ሻቕሎት ክውገድ ከምዝገበረን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፣ እዚ ሓድሽ እወታዊ ሃዋሁ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዘሎ ርክብ ክመሓይሽ ዘተባብዕ እውን እንተኾነ ጊዜ ዝሓትት ምዃኑ የረጋገጽ።

ስለዚህ እዚ ሓድሽ ሃዋሁ ናይ መሰጋገሪ እዋን ተባሂሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣቲ ክሌኣዊ ርክብ ንኽመሓየሽ ዘተባብዕ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት፣ እዚ ሓድሽ ናይ ዕርቂ ጉዕዞ ዘመልክት ከምዝኾነ ገለ ገለ ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ካኅናትን ከምዝገለጹ፣ ኣብ መንጎ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ዘየሰማምዕ ሓደስቲ ሕቶታት እውን እንተሃለወ ናይቲ ዘየሰማምዕ ጉዳይ ተሓታትን ዝጋገ ዘሎ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ብናይ ሓባር ርክባትን ዘተን ጥራሕ ኢዩ ክመሓየሽ ዝኽእል እንክብሉ ብፁዕ ካርዲና በርቶኔ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘመልከትዎ ሓሳብ ብምቅላሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ብፁዕ ካርዲናል በርቶነንን ካህናት ኣብዚ ናይ ክኅነት ዓመት ሊቀ ካህናት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን ኣብነት ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ ክስዕቡ ዝቕረብዎ ምዕዳን መሠረት ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ነዚ ዓመት ክህነት ከብዕልዎ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ብዙሓት ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን በቲ ምዕዳን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል በርቶኔን ኣዚዮም ከምዝተባብዑን ተስፋ ሰኒቖም ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ማሪያ ቪያነይ ስዒቦም ወንጌል ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣበርቲዖም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ምዃኖም የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.