2009-12-08 12:30:23

ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ኣፍሪቃ ከባቢ ዓበይቲ ቐላያት


ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ዓበይቲ ቐላያት ዝርኤ ውግእ ምስሕሓባትን ናይ ሕድ ሕድ ግርጭታትን ምዝመዛ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ኣድልዎን ምግባረ ብልሽውናን ክውገድን ኣብ መግኖ ሩዋንዳን ብሩንዲን ኮንጎን RealAudioMP3 ዕርቅን ሰላም ክሰፍን ሃራውን ሕዝባውን ሰብኣውን ምዕባለ ክረጋገጽ ናይዚ ከባቢ ኣቢያተ ክርስትያን ጻውዒት ከምዘቕረባ ተሓብሩ።

ናይ ቡጁምቡራ ሊቀ ጳጳስን ናይ ማእከላይ ሓገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ስፕሪየን ንታምዋና ናይ ከባቢ ዓበይቲ ቐላይ ኣቢያተ ክርስትያን ዓመት ኢዮቤል ምኽንያት 70 ሺህ ካብ ሩዋንዳን ብሩንድን ኮንጎን ዝተዋጽኡ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሰዝምዕዎ ስብከት፣ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ውግዓዊ ካልኣይ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ጠቒሶም፣ ኣብዚ ከባቢ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኩሉ ተዋሳኢ ክኸውን ኣለዎ ከዝምበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ተወላዲ ኮንጎ ጋዜጠይና ኣይመ ዲኦንዞ ዝሓብዎ ጸብጻብ ጠቒሱ ሓቢሩ።

ኣብቲ በዓል ኢዮቤል ናይ ዓበይት ቓላይ ሓገራት ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ ዓመጽ ውግእ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀ ንስትዮን ክውገድ ናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ክቃወሞን ሓደራ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፣ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ወኪሎም ነቲ ንበዓል ኢዮቤል ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ማኒለስ ብራሰልስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጎድፋይፍ ዳኒልስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ናይዚ ከባቢ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ከባቢኤን ናይ ሓባር ታሪኽ ኣንቢበን ዝሓለፈ ጸልማትን በሰላን ረሲዔንን ንብሩህ መጻኢ ከቕንዓ ሓደራ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.