2009-12-08 12:31:32

ብኤይድስ ንዝተጠቕዑ ሕጻናት ንምክንኻን


ናይ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማሕበር ሊቀ መንበር ኣብ ሆንዱራስ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር አንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ፣ RealAudioMP3 ኣብዝሓለፈ ሰሙን ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ ጸረ ሕማም ኤይድስ ምኽንያት ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ወለዲ ብኤይድስ ዝተለኽፉ ናይ ደቃቶም ሞት ኣናረኣዩ ክሕግዝዎም ዘይክእሉ ኮይኖም ተጨቢጦም ኣብ ስቅእዮም ተዓጽዮም ምርኣይ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጾም፣ ዝኾነ ይኹን ፍጥረት ሰብ ኣብ ስቓዩ ምሕዳግ እቲ ካብቲ ሕማም ዘስዕቦ ስቓይ ንላዕሊ ዘሳቒ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣብተን ብዙሓት ብሕማም ኤይድስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ዝርከብወን ሃገራት ዝውለድ ሕፃን ፈጺሙ ክሳቐ የብሉን ቢሎም፣ እዚ 162 ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝሓቑፍ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር፣ ሕፃናት ካብ ሕማም ኤይድስ ምድሓን ዝብል ኣብ መባእታ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዘነቓቕሖ ወፈራ ብፁዕ ካርዲናል ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ጠቒሶም ኣብ መላእ ዓለም ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ዝርከብዎም ብተኅዋስ ኤይችኣይቪ ዝተለኽፉ 2 ሚሊዮን ሕፃናት ከምዘለዉን ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ 15 ሚሊዮን ሕፃናት ድማ ብሕማም ኤይድስ ወለዶም ዝመትዎም ከምዝኾኑን ገሊጾም፣ ካሪታስ ነዞም ሕፃናት ኣብ ምንባይ ዓቢ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.