2009-12-08 17:15:27

በዓለ ፅንሰታ ንጽሕት ድንግል ማርያም


ብናይ ላቲን ሥርዓተ ኣምልኾ ግጻዌ ሎሚ በዓለ ፅንሰታ ለማርያም እዩ። በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መልአከ እግዚኣብሔር ጸሎት አዕሪጎም። ነዚ ዚስዕብ አስተምህሮ እውን ሂቦም፣ “ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን፣ ዕለት 8 ታሕሣሥ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት በዓላት ብፅዕት ድንግል ማርያም በዓለ ፅንሰታ ለማርያም ነብዕል። ማርያም ብዘይ ኃጢአት አዳም ተፀኒሳ እንታይ የስምዕ፤ እዚ አርእስቲ እዚኸ ንዓን እንታይ ይብለና፤ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሉቃስ ወንጌል ምልስ ቢልና እንተረአና፤ ድሕሪ ውድቀት አቦና አዳም እግዚአብሔር ናብቲ ንድያብሎስ ዘመልክት ተመን ገጹ መሊሱ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርአን ከአ ጽልኢ እተክል አሎኹ፣ ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ” (ዘፍ.3.15)። ናይ ሕነ ምፍዳይ ዜና፣ ሰይጣን ኣብ መጀመርያ ላዕላይ ኢድ ዘለዎ ይመስል፣ ግን ርእሱ ዚጭፍልቅ ካብ ሰበይቲ ዚውለድ ከምዚመጽእ ይንገር፣ በዚ ከምዚ ኸስ ብዘርኢ እታ ሰበይቲ እግዚአብሔር ይስዕር፣ እታ ሰበይቲ እቲአ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብአ ዝተወልደ ድንግል ማርያም እያ። ብመሥዋዕቱ ከአ ሓንሳእን ንወትሩን ነቲ ጥንተ ጸላኢ ፈታኒ አሸኒፉ፤ በዚ ምኽንያት ኣብ ብዙሓት ምስልታት ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ እግራ ነቲ ተመን ርእሱ እናጨፍለቀቶ ንርእያ።

ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ ምዕ.1.26-38 ድንግል ማርያም ብሰማያዊ መልአኽ ብሥራት እንክትቅበል የዘንቱ፣ ንሳ እታ እግዚአብሔር ኣባኣ ኪሓድር ዝደለየ ትሕትን ጽርይትን ጓል እስራኤ እታ ሓቀኛ ጽዮን ኮይና ትርከብ፣ ካብአ እቲ ቅኑዕን መሓርን ዝኾነ መሲሕ ይውለድ፣ ኣብአ እቲ እግዚአብሔር ብሓዲሽ ዝወልዶን ዘጠጥዖን ዘዕብዮን፣ ንኩሉ ዚኸውን ጽቡቅ ፍረ ድሕነት ዘወፍየሉ ጨናፍሩ ናብ ምሉእ ዓለም ናይ ዝዝርግሖ ሕዝቡ ሕዝቢ እስራኤል መሠረት ይርከብ፣ ከም አዳምን ሔዋንን ዘይኮነ እታ አደ ኩሎም እቶም ብእምነት ክርስቶስ ሕይወት ዘለዓለም ዝቅበሉ ሕያዋን ዝኾነት ድንግል ማርያም ብኩለንትናአ ንድላይ አምላኽ ብምእዛዝ “እሺ” ብምባል ንመለኮታዊ መደብ ድሕነት ደቂ ሰብ ተወፍያ።

ዝተፈቶኹም አዕሩኽተይ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ከም አደ ምቅባል ክንደይ ሓጎስ ይህብ፣ ድኹማት ምዃና ኣብ ንፈልጠሉን ፈተና ኣብ ዝብርትዓናን ጊዜ ናብኣ ክንጐዪ ንኽእል ልብና ኸአ ብርሃንን ምጽንናዕን ካብኣ ይረክብ። እዚ ጸጋዚ ኣብቲ ንእምነትናን ተስፋና ዘናውጽ ብርቱዕ ፈተና ኣብ ዘጋጥመና ደቃ ምዃናን ህላዌና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጸጋ አምላኽ ከምዝምሥረትን አሚንና ምስ እንጽሊ ክንረኽቦ ንኽእል። ቤተ ክርስትያን እውን ከምዚ ዓይነት ፈተና ከጋጥማ ከሎ ወትሩ አተናአ ኣብ ኮኸብ ጽባሕ ዝኾነት ንጽሕተ እምንጹሓን ብምትኳር ነቲ ክርስቶስ ዘመልከታ አሠር ክትክተል ትኽእል፣ በዚ ኸአ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ካልአይ ጉባኤ ቫቲካንን ንድንግል ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን ክብሉ ዝገለጽዋ።

ንእግዚአብሔር ስለዚ ጸጋዚ እናአመስገንና ንነፍሲወከፍናን ስድራ ቤትናን ንምሉእ ማኅበርሰብ ዓለምን ንኩላ ቤተክርትያንን ንንጽሕቲ ድንግል ማርያም ነማሕጽን፣ ኣነ እውን ከምቲ ዝጸንሓኒ ልምዲ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ስፓኛ ዝርከብ ንአአ ዝተወፈየ ሓውልቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ሎም ምሸት ከማኡ ክገብር እየ” ድሕሪ ምባል ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ። ንኩሎም ተሳተፍቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት አመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ለገሱ።



ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደብ ጸሎት ብአቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 4 ብልምዲ ሮማውያን ንኽብሪ ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣብ ዝግበር በዓል ንምስታፍ ኣብ ፕያሳ ስፓኛ ምስ ብአሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናን ሮማን በጻሕትን ነጊዶም። ከምዚ ክብሉ ከአ ሰበኺኾም፣ “ኣብ ከብዲ ከተማታት ክርስትያን ናይ ማርያም ህላዌ ጥዑምን ዘቅስንን እዩ፣ ምቅሉል ህላዌ ማርያም ኣብ ጊዜ ሓጐስን ሓዘንን ሰላምን ተስፋን ዝህብ እዩ፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣብያተ ጸሎት መናድቅ አደራሻት እንዕዘቦ ምስሊ ማርያም ናይ ወትሩ ደቃ እትሕሉን እትሓልን አደ ህላዌ የዘኻኽረና። ኣብዚ ቅርዓት ስፓኛ እውን ምስሊ ማርያም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ብምቅማጡ ንከተማ ሮማ ትሕሉ ከምዘላ የመልክት።

ማርያም ነዛ ከተማ እንታይ ትብላ ኣላ፣ በዚ ህላዌ ናታ ንነፍሲ ወክፍና እንታይ ትብለና አላ፣ እዚ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ም.5.20 ዝብሎ “ኣብቲ ኃጢአት ዝበዝኆ ግና ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ” ዝብሎ የዘኻኽር፣ ንሳ ብዘይ ኃጢአት አዳም ዝተፀንሰት እያ፣ ሎሚ እውን “ኣይትፍርሑ፣ ኢየሱስ ነቲ እኩይ ስዒርዎ እዩ፣ ንሕሰም ካብ ሱሩ በርቊቁ ሓራ አውጺእና እዩ” ትብለና አላ።

ነዚ ሠናይ ዜና ክንሰምዕ ክንደይ ሃረር ዘይንብል፣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮን ብጋዜጣ ብተለቪዥን ብራድዮ ዜና ሕሰም ይዝንቶ፣ ይደጋገም፣ ይጋነን፣ እቲ ዝኸፍአ ከአ ነቲ ሕሰም ዳርጋ ለሚድናዮ ከም ወልፊ ኰይኑና ልብና ድሪቁ አእምሮና ደንዚዙ ይርከብ፣ ስለዚ እዛ ከተማ ነታ ብተስፋ ብዛዕባ እግዚአብሔር ንእትዛረብን ዓወት ጸጋ ኣብ ልዕሊ ኃጢአት ብምዝኽኻር ኣብቲ ዝጸንከረ ግዝያት እውን ተስፋ እተስንቅ ማርያም ብግዲ ተድልያ እያ።

ኣብዛ ከተማ እዚአ ብዙሕ ጉድ አሎ፣ ኮይኑ ግን እዛ ከተማ እዚአ ንሕና ኢና፣ ነፍሲ ወክፍና ኣብ ሕማቃ ይኹን ኣብ ጽቡቃ እጃም አሎና፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ክመሓየሽ ክፍትን ኣብ ክንዲ ሕማቅ ጽቡቅ ክገብር ሓላፍነት ክስመዖ አለዎ።

መራኸቢ ብዙሓን ከም ተዓዘብቲ ክገብሩና እቲ ክፋእ ንካልኦት ጥራይ ከም ዚምልከት ከእምኑና ይጽዕሩ፣ እቲ ሓቂ ግን ከማኡ ኣይኮነን፣ ተዓዘብቲ ዘይኮናስ ኣብ ሕማቅ ይኹን ኣብ ጽቡቅ ተዋሳእቲ ኢና።

ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ብከላ አየርን ከባብን ነጕረምርም፣ እቲ ዝኸፍኤ ብከላ ዘሎ ግን መንፈሳዊ ብከላ እዩ፣ መንፈስ እንተጠፊኡ ንጥረ ነገር ወይ ንዋት ጥራይ ንኸውን፣ ንዋት ከአ ተጠቂምካ እትድርብዮ ወይ ዘይትጥቀመሉ ሬሳ እዩ ዝኸውን፣ ስለዚ መንፈስ ንልበስ ብሕጊ መንፈስ ንመላለስ።

ንጽሕት ድንግል ማርያም መንነትና ንኽንፈልጥን ንኽንለብስን ተሓገዝና፣ ልባትና ከፊታ ኣብ ገጽ ካልኦት ምስሊ እግዚአብሔር ብምርአይ ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ተደሪኽና ነቶም በይኖም ዝኾኑን ዝተነጸሉን ንምሕጋዝ ተኽእለና። ድሕሪ ምባል “ነቶም ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ነዚ ሕጊ ፍቅሪ ወንጌል ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝቃለሱ ሳላኦም ከአ ዓለም ደው ዝበለ ሰባት ከመጕስ እፈቱ፣ ከምዚኦም ዝአመሰሉ ብዘይ ምጕርምራም ንሕማቅ ብጽቡቅ ንምሽናፍ ዝቃለሱ ንአሽቱን ዓበይትን ኣብ ሮማ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ኣለው፣ ንኩነታት ብሕልፊ ከአ ንልቢ ሰባት ዝልውጡ ብኣኡ ኣቢሎም ከአ ንማኅበረሰብ ዘማሓይሹ እዚኦም እዮም።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንሕዝቢ ሮማን ኣብኡ ንዝነብሩን “ኃጢአት ኣብ ዝበዝኆ ጸጋ ኣምላኽ ክዓዝዝ ይኽእል፣ እዚ ከአ ካብ ልብን ሕይወትን ነፍሲ ወከፍ ይጅምር፣ ካባኡ ንደሓር እዛ ከተማ ጽብቅትን ክርስትያናዊትን ሰብአዊትን ክትከውን እያ” ንዝብል ጻውዒት ንጽሕት ድንግል ማርያም ሰሚዖም ክምልሹ ሓደራ ብማለት ብጸሎትን ቡራኬን ንግደቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.