2009-12-01 13:24:42

ካብ ማኅብራዊ ፖለቲካ ቀውሲ ንምድሓን


ናይ ቤኒን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ መሠረት፣ ሕዝቢ ነቒሑን ኣበርቲዑን ክጽልን ብሕልፊ ድማ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ማኅበራዊ ፖለቲካ ቀውሲ ክፍታሕ RealAudioMP3 ኣብ ጸሎት ክተግህ ሓደራ ከምዘብሉ ኣፒክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ቤኒን ኣብ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ናይ ሕዝቢ ተኣማንነት ዳግማይ ንምርግጋጽን ሰላም ንምዕቃብን ብዝብል ዓሚ እዚ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብምውካስ፣ ሕዝቢ ቤኒን ተስፋ ከይቆረጸ ርእሰ ተኣማንነቱ ዓቂቡ ነቲ ምምሕያሽ ዝተሓረሞ ማኅበራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ፣ ኣብ ምዕራዩ ክተሓባበር ብምትሕስሳብ፣ ኣብ ናይ ሓገርን ሕዝብን ጥቅሚ ከድህብ ሓደራ ይብሉ።

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ መሠረት፣ ንምስዓር እናተኰሩ፣ ኣብ ፍሉይ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ጥራሕ እናድሓቡ ዘካይድዎ ዘለዎ ውሸጠ ውሽጣዊ ስምምዓት ሓደገይና ከምዝኾነ ናይ ቤኒን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ መንጎ ናይ ፖሊቲካ ሰልፍታት ዝግበሩ ስምምዓት ናይ ሕዝብን ሓገርን ጥቕሚ መሠረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፒክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.