2009-11-26 14:17:51

ኣብነት ፍቕሪ ቅድስቲ ሥላሴ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ክርስትያናዊ ባህሊ ማእከላይ ዘመን ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል ብዛዕባ ጽሑፋት ክልተ ውሩያት ፈለስቲ ሊቃውንቲ ተዮሎጊ መበል ዓሠርተ ክልተ ዘመን ኡጎን ሪካርድን ዝበሃሉ ገለፁ።

እዞም ክልተ ፈለስቲ ሊቃውንቲ ተሎጊያ፣ ኣብቲ ውሩይ ገዳም ፓሪጂና ናይ ሳን ቪቶረ ይነብሩ ነበሩ።

ቅዱስነቶም ናይዞም እተጠቕሱ ሊቃውንቲ ተሎጊያ መሠረት ገይሮም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፦ ናይ ደቂ ሰባት ርክብ ኣብነት ርክብ ነቶም ሠለስተ መለኮታውያን ኣካላት ቅድስቲ ሥላሴ ዘተኣሳሰር ፍቕሪ ዝተኸተለ እንተዝኸውን ዓለም እቲ ሓደ ምእንቲ ካልእ ዝነበረሉ ኣዚዩ ዘሕጒስ ቦታ ምኾነ ኪብሉ ገለፁ RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.