2009-11-26 14:06:53

ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝዝቲ ጉባኤ


ዕለት 30 ኅዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኮፐንሃገን ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክካይድ መዃን ክሕበር እንከሎ፣ ነዚ መደብ ጉባኤ መሠረት RealAudioMP3 ብምግባር ኣብ ቦን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብዛዕባ ጥዕና ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝግበር ዘተ ዝመርሑ ይቮ ደ ቦኤር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡን RealAudioMP3 እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ተፈጥሮ ንምክንኻንን ንምሕላውን RealAudioMP3 እንታይ ዓይነት ውሳኔታትን መምዘንታትን ክውሰዱ ከምዘለዎም ዝመያየጥን ውሳኔ ዘመሓላልፍን ምዃኑ ከምዝገለጹ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ብሬሺያ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ተፈጥሮ ስነ ኣካል መምህር ኣንቶኒዮ ባላሪን ደንቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ጥዕና ንምሕላውን ነቲ ወሪድዎ ዘሎ ብከላ ንምንካይ ተባሂሉ ዝውሰድ ውሳኔ ንርሑቕ ዝጠመተን ናይ ነዊሕ መደብ ብዝኾኑ መምዘንታት ንምትግባር ብመሠረቱ ስምምዕ ኣሎ፣ እቲ ፍልልይ ኣብዚ እዋን ክውሰድ ዘለዎን ሎሚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝግብኦ ጭቡጥ ውሳኔ ብዝምልከት ኢዩ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዘድሊ ቅድሚ እቲ ናይ ክዮቶ ውዕሊ ኣብ 2012 ኣገልግሎቱ ዘብቕዕ ቀጺሉ ክውሰድ ዘለዎ ውሳኔ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ምህርትን ኤኮኖምን ቴክኖሎጅን ዓቢ ርክብ ክህሉ ይግባእ፣ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት በቲ ዓሠርተ ዓመት ዝደሓረ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዝምራሕ ከይዲ ምዕባለ ኣሎ፣ ንኣብነት ቻይና ናይ ምህርትን ናይ ኤኮኖምን ዕቤታ እዚያ ክንህር እንከሎ፣ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባሌኣን ዕቤተ ኤኮኖሚኣን እዚዩ ዝተረሓሓቐ ኢዩ ኢሎም፣ ስለዚህ ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ዝተገልጹ ናይ ምዕባለ ጠባያት ክዛመዱ ምግባር ንክንክን ጥዕና ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብመሠረቱ ናይ ከባቢ ተፍጥሮ ኣየርን ንምድሓንን ንምክንኻንን ኩለን ሃገራት ይሰማምዓ ኢየን፣ እቲ ጸገም ግን ሃገራት ካብ ናይ ግሊ ጥቅሚ ናይ ምሕላው ህርፋን ወጺኤን፣ ናብ ናይ ሓባር ውሳኔ ንርግጋጽ ክድህባን፣ እቲ ናይ ኮፐንሃገን ጉባኤ፣ ነቲ ብዅሉ መዳይ ዝረጋገጽ ዘሎ ዓለምውነት ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው ዓለማዋነት ምትእስሳር ዘንጸባርቕ ውሳኔ ከመሓላልፍ ተስፋን ትጽቢትን ኣሎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.