2009-11-26 14:04:50

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ


ኣብ ኢጣሊያ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣገልግሎት ዝመርሑ ካህናት ዝዓደመ ብሔራዊ ሓቆፍ ጉባኤ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝወሃብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝቐርብ ወንጌላዊ ምስክርነት ንምሕዳስ ብዝብል ርእሰ RealAudioMP3 ጉዳይ ተመሪሑ ትማሊ ኣብ ሮማ ከምእተጀመረ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እዚ ጉባኤ’ዚ ኣመልኪቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ረቢቢያ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መራሒ ኣባ ሳንድሮ ስፕሪያኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ቤት ማእስርቲ ተስፋ ቆሪጾምን እቲ ዝፈጸመዎ ገበን ዝፈጥሮ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ኣብ ቤት ማእስርቲ ዘሎ ናይ ኣተሓሕዛ ድዩ ካልኦት ዓይነት ጉድለታት ምኽንያት ርእሰ ቅትለት ዝፍጽሙን፣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ምስ ካልኦት ርክባት ኣይፋለይን ዝብሉን፣ ኣብ ጭንቀትን ፍርሕን ተዋሒጦም ንዝርከቡ ኣብ ግምት ዘእትው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኢዩ፣ ስለዚ ዓቢ ወንጌላዊ ምስክርነት ዘድልዮ ኣገልግሎት ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቍጽሪ ዘይኮኑስ ደቂ ሰባት ኢዮም ዘለዉ፣ ወትሩ ብስነ ኣኃዝ ዝረኣዩ ኮይኖም ብዝሖምን ብዛዕባ እቲ ዝፈጸመዎ ገበንን መሠረት ዝርዝራት ክቐርብ ጥራሕ ኢዩ ዝርኤ፣ ሰባት ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን፣ ስለዚህ ኣባይቲ ማኣሰርቲ ሰብኣውነት ዘማእከለን ገበነይናታት ናብ ሕዳሴ ዘተባብዕን በቲ ዝሓለፈ ብምጥዓስ ናብ ሓድሽ ሕይወት ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ፣ ገበነይና እሱር ሰብ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣ በቲ ዝፈጸሞ ገበን መዚንካ ምርኣይ ጌጋ ኢዩ ስለዚህ ነዚኣቶም እሱራት ኣሕዋት ዝወሃብን ዝቐርብን መፈሳዊ ኣገልግሎት ዓቢ ናይ ሕይወት ምስክርነት ዘድልዮ ኢዩ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ነዚ ዘነቓቕሕ ምኳኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.