2009-11-19 13:34:52

ናይ ክርስትያን ሓድነት ንምርግጋጽ


ብፁዕ ካርዲናል ጆሃነስ ዊለብራንድስ ናይ ክርስትያን ሓድነት ንኽረጋገጽ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኮን ድሕሪኡ እውን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ፍቓድን ድላይን ተመርኲይዞም ዘበርከትዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝናኣድ ኮይኑ፣ እነሆ ናይ ክርስትያን RealAudioMP3 ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘበገሶ ብፁዕ ካርዲናል ዊለብራንድስ ዝተወለድሉ መበል ሚእቲ ዓመት ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግሬጎሪያና መንበረ ጥበብ ትማሊ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻይደ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ዝመጽእ ዘሎ ቐዳም ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡ ዝኾኑ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕን ናይ ካንተርበርይ ሊቅ ጳጳሳት ሮዋን ዊሊያምስ ከምእተሳተፉ እንክንገር፣ ናይ ማኅበር ፍራንቸስካውያን ጠቅላሊ ሓለቓን ስለ ሓድነት እተሰምየ ማእከል ኣመሓዳሪ ኣባ ፓመስ ፑሊሲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብፁዕ ካርዲናል ዊለብራንድስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንእተካይዶ ዘላ ሃይማኖታዊ ርክባትን ሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ዝካየደ ናይ ዘተ መደባት መሠረት ከምዘትሓዙ ገሊጾም፣ ብፁዕነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጥራሕ ዘይኮኑስ ናይ ዘተ ባህሊ ዝዓሰሎም እውን ከምዝነበሩ ኣብቲ ዓውደ መጽናዒቲ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፅዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ዘረባ ከምዘስምዑ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.