2009-11-19 13:33:18

ናይ ሓባር ዘተን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክረጋገጽ


ቅድሚ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ብሩንዲ ርእሰ ብሔር ፒየር ንኩሩንዚዛ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተረጋጊጹ። ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን RealAudioMP3 ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ሓደ ምትሕብባርን ንማሕበራውን ንዜጋታትን ጥቕሚ ኣተኲሩ ዝዓዪን ኅብረተሰብ ንምሕናጽ ናይ ዘተ ባህሊ ምንቕቓሕን ምኽባር ሰባኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተሰመረሉ ተረጋጊጹ።

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ብሩንድን ዘሎ ርክብ ብምጥቃስ ዘተ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበ መግለጺ ሓቢሩ፣ ቤተ ክርስትያን ንናይ ብሩንዲ ሕዝብን ሃገርን ምሉእ ዕብየትን ኣብ መደብ ሕንጸትን ክንክን መንፈሳውነትን ጥዕናን፣ ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ዓቢ ኣበርክቶ ከምእትህብ እቲ ዘተኻየደ ናይ ሓባር ርክብ ይምስክሮ፣ ናይ ብሩንዲ ርእሰ ብሔር ብምቕጻል ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማበርቲ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።

ናይ ብሩንዲ ርእሰ ብሔር ንኩሩንዚዛ ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ፣ ድሕሪ ቀትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ሕንጻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ሃገሮም ማኅበራውን ሰብኣውን ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መገልጺ ከምዝሃቡ ክንገር እንከሎ፣ ብሩንዲ ድሕሪ 20 ዓመት ናይ ሕድ ሕድ ውግእ ኣብ ጎደና ዕርቅን ሕንጸት ዴሞክራሲን ካብ እትስጉም ኣርባዕተ ዓመታ ከምዝሓዘት ከምዝሓበሩ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.