2009-11-19 14:02:44

ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ጉባኤ ሕርሻን መግብን ፡


አብዚ አብ ሮማ ትማሊ አብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕርሻን መግብን ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ ዝተሰየመ ዓለም ዓቆፍ ናይ መራሕቲ መንግስታት ጉባኤ ተጀሚሩ አሎ።

አብዚ አብ አውራ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን መግብን ዝተጀመረ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ናይ ስሳ ሀገራት መራሕትን ናይ መንግስትን ናይ ዘይኮናን ሃገራት ሐቆፍ ናይ ረዲኤት ማኅበራት ወኪላትን ዘሳተፈ ጉባኤ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ቅድሚ”ቲ ጉባኤ ምጅማሩ ናይ ናይሕርሻን መግብን ማኅበር ዋና ጽሐፊ ጃክስ ዲዮፍ ብዓለም ለኸ ደረጃ ናይ ሐደ መዓልቲ ምሕሳም መግቢ ክግበር አተሐሳሲቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ዝኮነ ኾይኑ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብዚ ጉባኤ”ዚ ተረኺቦም ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዲስኩር ክገብሩ ብናይ”ቲ ማኅበር ዋና ጽሐፊ ብጃክስ ዲዩፍ ዝተገብረሎም ዕድመ መሠረት አብቲ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዲስኩር ገቢሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ሰላምታ አቅሪቦም ንዝተገብረሎም ዕድመ ብምምስጋን ፡ ርእሲ ኹሉ ወዲ ሰብ ናይ መግቢ ናይ ምርካብ መሠረታዊ መሰል ከም ዘለዎ ጠቂሶም ፡ ጥሜት ካብ መሠረቱ ንምጥፋእ ርሕሩሕ ልቢን ኩሉ ሰብ ናይ መግቢ መሰል ከም ዘለዎ ምእማን ከም ዘድሊ አመልኪቶም ፡ ዓለም ንኹሉ ሰብ ክምግብ ክእለት ከም ዘለዋ አገንዚቦም ።

አብዚ እዋን”ዚ ዓለም ሐቆፍ ናይ ኤኮኖምን ፊናንስን ቀውሲ ከም ዘሎን ብጥሜት ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ እናውሰኸ ይከይድ ከም ዝሎ ዘኪሮም ክአ ፡ ጥሜት ብዓለም ለኸ ደረጃ ንምግታእ

አብ ፍቅርን ርሕራሔን ዝተመርኮሰ ምትሕብባር ከም ዘድሊ ገሊጾም።

ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ሕርሻ ናይተን አብ ምምዕባል ዝርከባ ሀገራት አብ ምልማዕ ከተሐባበራን ገንዘበን አብ ሕርሻ ድኻታት ሀገራት ከዋፍራን አተሐሳሲቦም።

ንስእነት መግቢ ጠንቂ ዝኾኑ ሀገራት ንምግታእ አብ ሐቂን ቅንዕናን ጽቡቅ ድላይን ዝተመሥርተ ምትሕብባር ከም ዘድሊ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ አብ ናይ ፋኦ ትካል ሕርሻን መግብን አውራ ቤት ጽሕፈት ዝካየድ ዘሎ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ገሊጾም።

ዓቢ ሽግር ዝኸውን ዘሎ ኢሎም ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መራሒ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነድክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ጠንቂ ሀብቲ ሕጽረት ገንዘብ ዘይኮነስ ማኅበራዊ ፍትሒ ስለዘይሎ እቲ ሀብቲ ክአ ንኹሉ ሰብ ስለዘይበጽሕ ኢዩ ።

መንግስታት ዓለምን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ነዚ በማእት አሽሐት ደቂ ሰብ ዝቅዝፍ ዘሎ ጨካን ጥሜት”ዚ ናይ ምግታእ ሐለፍነት ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ንምሉእ ሰብአዊ ዕብየት ምስራሕ ጥሜት ንምግታእ ከም ዝሕግዝ ክአ አመልኪቶም።

ብሚልያርድ ዝቁጸር ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ብሐለንጊ ጥሜት እናተቀዝፈ ከሎ ፡ነዚ ህዝቢ”ዚ ብጥሜት ንኸይመውት ከድሕኖ ዝእል መግብን ገንዘብን ከም ዝባኽን ጠቂሶም ክአ እዚ ዘሕዝንን ናይ ሕልና መርመራ ክትገብር ዝቅስብ ልቢ ሰብ ዝትንክፍ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ህዝቢ አብ ምምዕባል ዝርከባን ድኻታትን ሀገራት ብጥሜት እናረገፈ ገንዘብ ንምድላብ ዝግበር ቅድድም ሐላፍነታዊ ዘይኮነ ሕልና አልቦ ዝገብር ስለ ዝኮነ እዚ ተወጊዱ ጥሜት ንምህታእ ምትሕብባር ከም ዘድሊ ክአ ተማሕጺኖም ።

ዓለም ለኸ ኤኮኖምያዊ ጥምረት ንኹሉ ሰብ ዝሐቁፍ ኤኮኖምያዊ ሥርዓት ክኸውን ጥሜት ንምግታእ ካአ ከምኡ ንጥሜት ተቃሊሱ ገቲኡ ፍጹም ዘወግድ ጥምረት ክህሉ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መብቨል ዓሰርተ ሽዱሽተ አተሐሳሲቦም።

ማዕርነት ዝጐደሎ ልምዓት አብ መንጎ ሰሜናውን ደቡባውን ንፍቀ ዓለም ዓቢ ናይ ሀብቲ ፍልልይ ፈጢሩ ከም ዘሎ ዘኪሮም ክአ ጥሜት ልሙድ ከም ፍንጫሕ ጐድኒ ድኻታት ሀገራት ማሕበራዊ ሊቲካ ኮይኑ ይርኤ ከም ዘሎ አመልኪቶም ፡ እዚ ክመዓራረ ከም ዝግባእ ገሊጾም።

ፍጥረት ሰብ ኩሉ ጥርኑፍ ሰብአዊ ማኅበረ ሰብ ከም ዝኾነ ኩሉ ሰብ ማዕረ ናይ ብሕይወት ምንባር ምሰል ከም ዘለዎ ምርድእ ከም ዘድሊ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ብሐባር ዘዋስእ ኤኮኖምያዊ ሥርዓት ቅጥዒ ከም ዘድሊ አተሐሳሲቦም ።

ማይን መግብን እኮ ህያብ እግዚአብሔር ኢዮም ስለ ዝኾነ ንኹሉ ሰብ ይግብኡ ብማለት ክአ አተሓሒዞም አገንዚቦም ።

ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥሜት ንምግታእ እተካይዶ ጻዕሪ ከም ትቅጽል ጠቂሶም ክአ ጥሜት ንምግታእ አብ ዝካየዱ ጻዕርታት ሐቢራ ንጥሜት ከም ትምክት አረዲኦም ።

አብዚ እዋን”ዚ ሐደ ሚልያርድን ክልተ ሚእቲ ሚልዮንን ህዝቢ ንጥሜት ተቃሊዑ ከም ዘሎ ነዚ አብ ሮማ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ዘሰናደወ ትካል ሕርሻን መግብን ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ፋኦ አፍሊጡ አሎ ። እዚ ትማሊ ዝተጀመረ ውሕስነት መግቢ ዘተኮረ ጉባኤ ጽባሕ ክዛዘም ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እዚ ከም”ዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ተረኺቦም ቃሎም ከስምዑ ዝተገብረሎም ዕድመ አመስጊኖም ፡ ጽን ኢሎም ንዘሰምዕዎም መራሕቲ መንግስታት አመስጊኖም ሓውርያዊ ቡራኬ ሂቦም ንሓዋርያዊ መንበሮም ብሰላም ተመሊሶም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.