2009-11-19 13:38:46

ምንጻል ጽንሲ፣ ፍትሕን ዘይምውላድን


ለውጢ ስድራ ቤት ኤውሮጳ 2009 ዓ.ም.ፈ. ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝቐረበ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣ ናይ ኤውሮጳ ኅብረተሰብ ተካኢ ዘይብሉ እናኣረገ ዝኸይድ ምዃኑ ብምምልካት ጽንሲ ምስዳድ ሕይወት ካብ ምጽናስን ባህርያዊ ሞት RealAudioMP3 ዘይምኽባር ልምድን ኣመለኻኽታን ፍትሕን ብዘይ ቃል ኪዳን ብሓደ ምንባርን ዘይምውላድን ንዓይን ይጥዓመኒ ዝብል ሕሉፍ ርእሰ ፈታውነትን ቀንዲ ምኽንያት ምእራግ ኤውርጳ ከምዝኾነ እቲ ሰነድ ከምዘመልከቶ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኤውሮጳ ናይ ስድራ ቤት ፖለቲካ ጉዳይ ዝከታተል ተቛም ዘቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ብዝሒ ናይቶም ካብ 65 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮጳ ካብ ናይ መንሰያት ኤውሮጳ ብዝሒ ንላዕሊ ከምዝኾነን፣ ብዝሒ ዝውለዱ እዚዩ ትሑት ከምዝኾነ እዚ ብከምዚ እተድኣ ቀጺሉ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ. ሓደ ካብ ሰለስተ 65 ዓመት ክህልዎ ከምዝኾነን፣ ብዝሒ ሕዝቢ ኤውሮጳ ብ 27.3 ሚሊዮን ከምዝጎድልን ካብ ሾሞንተ ሓደ 15 ዕድመ ከምዝህልዎን ማእከላይ ዕድመ 46.7 ከምዝኸውን ኤውሮጳ ካብ ከምዚ ዓይነት ሽግር ንምድሓን ንናይ ቤተሰብ ጉዳይ ዝሓሊ ውሳኔንን ንስድራ ቤት ናይ ድጋፍ መደባት ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ እንክብል ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎ የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.